Gävleborg

ID104

ጥብቂ መምርሒ

ኩላቶም ኣብቲ ምምሕዳር ዘለዉ ከምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ይጽውዑ ኣለዉ፥

  • ብእተኻእለ መጠን ምስቶም ምሳታቶም ዚቕመጡ ሰባት እንተ ዘይኮይኑ ምስ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ምትንኻፍ ከይገብሩ ይምከሩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ኣብ በዓላትን ጽምብላትን ዘይምስታፍን ባዕልኻ ዘይምድላውን ማለት እዩ። ከምኡውን ካብቶም ብዘይ ምትንኻፍ ወይ ምርሕሓቕ ኪዳየዱ ዘይክእሉ ንጥፈታት ምቝጣብ የድሊ፥ ንኣብነት ከም ብምትንኻፍ ዚካይድ ስፖርት ወይ ድማ ናይ ጥዕናን ስነጽባቐን ክንክን፡ ማለት ሕክምናዊ ምኽንያት ዘይብሎም ምስ ዚኾኑ። 
  • ናብ ሽፉናት ቦታታት ከም ዱካናትን ዕዳጋታትን ኣብያተመዘክርን ኣብያተንባብን መሐምበስን ጂምን ካብ ምኻድ ተቖጠብ። ከም ናብ ጥረመግቢ ዝሸየጠሎም ቦታታትን ፋርማሲን ዚካየዱ ኣድለይቲ ምብጻሕ ግን ክልኩላት ኣይኮኑን።
  • ከም ኣብ ኮንሰርትን ጽምብላትን ልምምድ ስፖርትን ግጥማትን ውድድራትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣይትሳተፍ። እዚ ግን ነቶም ኣብ 2005ንን ድሕሪኡን እተወልዱ ናይ ስፖርት ልምምድ ዚገብሩ መንእሰያት ኣይምልከቶምን። ኣድላዪ ቅርበት ዘለዎ ርክባት ከም ሕክምና ወይ ሕክምናዊ መርመራ ኣብዚ ክልከላ'ዚ ኣይኣቱን። እቶም ናይ ኮቪድ-19 ዚመስል ምልክታት ዘለዎም ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ኪረሓሓቑ ይግባእ።
  • ዘየድሊ መገሻ ኣይትግበር። ኣብ መገሻ ምስ ሓደስቲ ሰባት ስለ እትራኸብ፡ ነቲ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ይውስኸሉ እዩ። ግን እዚ መምርሕ'ዚ ነቲ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ወይ ሞያ ወይ ንሕክምና ዚግበር ጕዕዞ ኣይምልከቶን። እቲ ካብ ሓደ ወረዳ ናብ ካልእ ወረዳ ዚግበር መገሻ'ውን ኣብዚ ክልከላ ይኣቱ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን ሰብ ናይ ስርሑ ወይ ቦታ ሞያኡ ወይ ድማ ናብ ዘድልዮ ሕክምና ወይ ክንክን ኣይከይድን እዩ ማለት ኣይኮነን።

ንናይ ስራሕ ቦታታትን ዋኒናትን ዚምልከት ጥብቂ ህዝባዊ መምርሒ

እቲ ውሳነ ነቶም ኣብ ወረዳታት የቭለቦርይን ቨስተርኖርላንድን ዚርከቡ ናይ ስራሕ ቦታታትን ዋኒናት - ከም ንኣብነት ቡቲካትን ሽፉናት ዕዳጋታትን ናይ ስፖርት ቦታታትን - ይጥርንፍ እዩ።

  • ምእንቲ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዞባዊ ህዝባዊ መምርሒ ምኽታል ኪኽእል፡ ትካላትን ወሃብቲ ስራሕን ስጉምቲ ኪወስዱ ይግባእ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛውቶም ኮይኖም ኪሰርሑ ኪውከሱዎም፡ ኣብ ገዛ ኮንካ ንምስራሕ ዘድሊ ተወሳኺ ሃዋህው ኪፈጥሩ፡ ናይ ስራሕ ጕዕዞን ኮንፈረንስን ካልእ ኣካላዊ ኣኼባታትን ድማ ንግዜኡ ከም ዚመሓላለፍ ኪገብሩ ማለት እዩ። ካልኦት ስራሓት ወይ ዋኒናት ነቲ ብሓደ ግዜ ዚግበር ምብጻሕ ከጕድላኦን ነቲ ናይ ምኽፋት ሰዓታት ከማሓይሻኦን፡ ዲጂታላዊ ኣማራጺ ከተኣታትዋ ይኽእላ እየን።

R233

ኣብ ህዝባዊ ምትእኽኻብን ጽምብላትን እንተ በዝሐ ሸሞንተ ይሳተፍ

ካብ ሕዳር 24-2020 ጀሚሩ እቶም ኣብ ኣኼባታትን ጽምብላትን ዚርከቡ ተሳተፍቲ ካብ 8 ኪበዝሑ የብሎምን። ወላ'ውን እቶም ኮፍ ኢሎም ዚዕዘቡ። እቲ ውሳነ ንዘይተፈልጠ ግዜ የገልግል። እዚ ግን ንስነስርዓት ቀብሪ ኣይምልከትን። ኣብኡ ክሳዕ 20 ሰባት ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

Uppdaterades