ምስ ቫይረስ ኮረና ዝተተሓዙ ዜናታት

2020-09-18 N56

ኣብ መንበሪ-ኣረጋውያን ተነቢሩ ዝጸንሐ ምብጻሕ-እገዳ 1 ጥቅምቲ ክስረዝ’ዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ እቲ ኣብ መንበሪ-ኣረጋውያን ንምብጻሕ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፥ ኣብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ንኽስረዝ ወሲኑ።

እቲ ምብጻሕ ብውሑስ ብዝዀነ ኣገባብ ንኽትግበር ሓላፍነት ዘሎውም፥ እቶም ሓለፍቲ ናይቶም መንበሪ-ኣረጋውያን ትካላት’ዮም። ”ቤትስልጣን ጥዕና ህዝቢ” ነዞም ምብጽሓት ዚኸውን ናይ ደገፍ መምርሒ ከውጽእ እዩ። ትሕዝቶ ናይዞም መምርሒታት ድማ፥ ብዛዕባ ኣገባብ-ምብጻሕን፡ ርሕቀት ኣብ ምሕላውን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ጽሬትን ዘቶኮረ ኪኸውን’ዩ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ከም ብሓድሽ በብኸባቢኡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ እንተ ተራእዩ ግን፥ ”ቤትስልጣን ጥዕና ህዝቢ” ሓድሽ ከባብያዊ መዕግቲታት፥ ምናልባት ውን ናይ ምብጻሕ እገዳ ውሳኔ ኪህብ ይኽእል’ዩ። 

ክሳዕ ሽዑ፡ እቲ እግዳ ኣብ ቦትኡ ክሳብ ዘሎ ግን፥ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ኩነታት፥ ፍሉይ ኣረኣያ ኪግበር ይክኣል’ዩ። በዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ መምርሒ ከም ዘገልግል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ምስቲ ናትካ ኮሙን ወይ ምስ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል መንበሪ-ኣረጋውያን ርክብ ክግበር ይክኣል’ዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ “ቤትስልጣን ጥዕና ህዝቢ” ብዛዕባ ምዝራዝ ናይ ምብጻሕ እገዳ (ሓበሬታ ብሽወደንኛ)

ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ “ማሕበራዊ-ምምሕዳር” (ሓበሬታ ብሽወደንኛ)

ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኣድራሻ ኢንተርነት መንግስቲ ሽወደን (ሓበሬታ ብሽወደንኛ)

2020-09-14 N55

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ”UD” እቲ ናይ ”ዓባይ-ብሪጣንያ” (Storbritannien) ናይ መገሻ እገዳ ሰሪዝዎ

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ (Utrikesdepartementet, UD)፥ ነቲ ናብ ”ዓባይ-ብሪጣንያ” ዚግበር ኣድላይነት ዘይብሉ መገሻታት ኣሕሊፍዎ ዝጸንሐ እገዳ፥ ካብ 14 መስከረም (september) ጀሚሩ ሰሪዝዎ ኣሎ።

ገለ ካብቲ ነዚ ውሳኔ’ዚ መሰረት ኰይኑ ዘሎ ድማ፥ ሃገር ሽወደን ሓንቲ ካብተን ”ዓባይ-ብሪጣንያ” ዝተሓተ ሓደጋ ”ኮቪድ-19” ኣሎወን ኢላ ዝወሰደትን ጕጅለ-ሃገራት፥ ሓንቲ ብምዃና እያ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ናብኡ ዝገሹ ሽወደናውያን፥ ኣብቲ ናይታ ሃገር’ቲኣ ናይ ምውሻብ መደብ እቱዋት ኣይኰኑን ማለት’ዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ (Utrikesdepartementet, UD)፥ ኣብዚ ሓጺር ጊዜ ጥራይ፡ ነቲ ናብ ብዙሓት ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣድላይነት ናይ ዘይብሉ መገሻታት እገዳ እናሰረዞ መጺኡ እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ኵሉ ነገራት ናብ ቀደሙ ተመሊሱ’ዩ ኪበሃል ዚክኣል ኣይኰነን። ስለዚ፡ ንሽወደንውያን ገያሾ ክጸልዎም ዚኽእል፥ ኣብ በቦትኡ ዝወጽእ ሕጋጋት፥ መዕገቲታትን ናይ ውሸባ ጠለባትን፥ ከም ብሓድሽ ኪቕልቀል ውን ይኽእል’ዩ።

ናበይ መገሻ ከም ትፍጽም ብዘየገድስ፡ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ግን ኣብቲ ዚምልከቶ ገያሻይ ክዓርፍ ዘሎዎ እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ገያሻይ፡ ንመገሽኡ ዚምልከት ኵሉ ዘድሊ ምድላዋት ብጥንቃቐ ኪገብር፥ ነቶም ናብ ሓንቲ ሃገር ንምእታው ዚቐርቡ ጠለባት ክፈልጦምን፥ ነቶም ኣብ ከከባቢኡ ብኣብያተስልጣን ዚወጹ መምርሒታት ውን ክስዕብን ይግብኦ’ዩ።

2020-09-11 N54

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ”UD” እቲ ናይ ”ቆጵሮስ” (Cypern) ናይ መገሻ እገዳ ሰሪዝዎ

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ (Utrikesdepartementet, UD)፥ ነቲ ናብ ”ቆጵሮስ” ዚግበር ኣድላይነት ዘይብሉ መገሻታት ኣሕሊፍዎ ዝጸንሐ እገዳ፥ ካብ 10 መስከረም (september) ጀሚሩ ሰሪዝዎ ኣሎ። እዚ ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ’ዚ፡ ብመሰረት እቲ ”ቆጵሮስ” ንሽወደናውያን ገያሾ ወሲዳቶ ዘላ ናይ እግደኣ ምፍኳስ ስጕምቲ ምኽንያት ብምግባር’ዩ።

ሃገር ሽወደን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብቲ ናይ ቆጵሮስ ናይ ገያሾ ምውሻብ መምርሒ ዘሎዋ ሃገራት እትውቲ ኣይኰነትን፥ እንተ ደኣ እቶም ገያሾ ናይ ”ኮቪድ-19” ምርመራ ኣሉታዊ-ምስክርነት ዝሓዙ ጅኮይኖም።

ናብ ካልኦት ናይ ሕብረት-ኤውሮጳን ”ኢ.ኢ.ኤስ” ከምኡ ውን ናብ ናይ ሸንገን ሃገራትን - ዓባይ-ብርጣንያን ዚግበር፥ ኣድላይነት ዘይብሉ መገሻታት ንዘይምጋብር ወጺኡ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ክሳብ 23 መስከረም (september) 2020 ከም ዝናዋሕ ኰይኑ ኣሎ።

2020-09-08 N53

ኣብ ብዙሓት ዞባታት ልዑል ጸቕጢ ኣብ ምምርማር

ምህላው ረኽሲ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ናይ ምግባር ተገዳስነት ወሲኹ ኣሎ። እዚ ኣብ ብዙሓት ዞባታት፡ ከም ክሮኖበርይ፡ ሶርምላንድ፡ ዳላናን ዞባ ስኮነን ዝኣመሰላ፡ ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ከም ዝናዋሕ ገይርዎ ኣሎ። 

ነቲ ናይ መርመራ ምግባርን ናይ መርመራ መልሲን ምጽባይ ግዜ ምሕጻራ ንምኽኣል፡ ኣገልግሎት ጥዕና ዓቕሚ ኣብ ምውሳኽ ይሰርሕ ኣሎ።

ምልክት ሕማም እንተ ኣለካ ኾይኑ ክትምርመር ትምከር። እዚ ኣብ ናይ ቅድመ ትምህርቲ ክፍሊ ንዝኸዱ ቈልዑ እውን ይምልከት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵለን ዞባታት ኣይኮናን መርመራ ንናእሽቱ ቈልዑ ዝገብራ ዘለዋ። 

ናየናይ መርመራ ምግባር ዕድል ከም ዝወሃብ ዘሎ ንምፍላጥ፡ ምስ ዞባኻ ወይ 1177 ቮርድጋይደን ርክብ ግበር።

ብዛዕባ ዝውቱራት ምልክታት ኮቪድ-19 ብዝያዳ ኣንብብ

 ብዛዕባ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ምግባር ብዝያዳ ኣንብብ

2020-08-31 N52

ናይ ኮቪድ-19 ምልክት ዘለዎም ቈልዑን መንእሰያትን መርመራ ክገብሩ ይምከር

ናይ ኮቪድ-19 ምልክት ዘለዎም ቈልዑን መንእሰያትን ምእንቲ ብዝቐልጠፈ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ክኽእሉ፡ ነቲ ፐ.ሰ.ኣር. መርመራ (PCR-tester) ዝብሃል ክገብርዎ ይምከር።

ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዞባታት ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ዘሎ ረኽሲ ናይ ኮቪድ-19 ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሓገዝ ዝኾኖም ሓደ ሓድሽ ሓበሬታ ኣዳልዩ ኣሎ። ብዓል መዚ ጥዕና ኣብ ክሊ ዕድመ ናይ መውዓሊ ህጻናት፡ ካብ 1-9 ክፍሊ ዝምሃሩ ወይ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ናይ ኮቪድ-19 ምልክት ዘተንብህ እንተ ኣለዎም ኮይኑ ክምርመሩ ይላቦ። ከምዚ ብምግባር እቶም ቈልዑ ናይቲ ዝገበረዎ መርመራ ኣሉታዊ መልሲ እንተ ረኺቦምን ካልእ ሓፈሻዊ ኵነታቶም ዘፍቅዶ ኾይኑን ናብ ትምህርቶም ብዝቐልጠፈ ክምለሱ ይኽእሉ።

– ካሪን ተግማርክ፡ ሓላፊት ጨንፈር ኣብ ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ”ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ናይ ቤት ትምህርትን ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትን ክሳተፉ ምኽኣል ጽቡቕ ከም ዝስምዖም ይገብር እዩ። ነዞም ኣብዚ ክሊ ዕድመ እዚ ዝርከቡ መርመራ ንምግባር እዚ ኣገዳሲ ምኽንያት እዩ። ቅድሚ ሕጂ እዞም ጕጅለ እዚኦም ንእሽተይ ምልክት እንተ ኣርእዮም ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉ እዩ ዝምከር ኔይሩ። መርመራ ብምግባርን ኣሉታዊ መልሲ ናይ መርመራ ብምህላውን፡ ዋላ ፍዅስ ዝበለ ምልክት ሕማም ተሪፍዎም ይሃሉ ብዝበዝሐ ዝርግሐ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ክኽእሉ እዮም።” ትብል።


2020-08-31 N51

ሽማግለታትን እቶም ጕጅለታት-ሓደጋን - ብቐዳምነት ክኽተቡ ዝግባእ’ዩ

እቶም 70 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦምን ሽማግለታትን፥ እቶም ካልኦት ጕጅለታት-ሓደጋ ዝበሃሉን፥ እቶም ኣብ ኣብያተ-ሕክምናን ሓልዮትን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታትን፥ እቲ ኣብ ሽወደን ተቐባልነት ዝረኸበ ጸረ ”ኮቪድ-19” ክታበት ምስ መጸ፥ እቶም ብቐዳምነት ክኽተቡ ዝግባኦም ንሳቶም እዮም። እዚ ድማ፡ ካብቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ንመንግስቲ ሽወደን ዝቐረሉ ጸብጻብ ሃገራዊ ጸረ ኮቪድ-19 መደብ-ክትባት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  

ኣብዚ፡ ሰራሕተኛታት ”ክንክን-ጥዕናን ኣገልግሎት-ሓልዮትን” ዚብል ኣምር’ዚ፥ እቶም ኣብ እንዳ-ኣረጋውያ፡ ኣብ ናይ ኣብያተ-ሕክምናን ካልኦት ኣገልግሎት-ሓልዮት ዚርከቡ ሰራሕተኛታት፥ ማለት፡ ምስቶም ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ንኺሓሙ ኣብ ሓደጋ ዘሎዉ ብቐረባ ዚሰርሑ ሰባት ንኹሎም ዘካትት እዩ።

እዚ፡ እቲ ቀዳማይ ናይቲ ክፋል-ጸብጻብ ኰይኑ፥ ብመሰረት ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ፡ ነቶም ረቛሒታት ናይቶም ዓይነታት ክታበትን፥ ነቲ ንሳቶም ዚህብዎ ደረጃ ምክልኻልን ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ ናይ መወዳእታ ደምዳሚ ውሳኔ ክግበር’ዩ። እቲ ተቐባልነት ዘሎዎ ክታበት ኣብ ሽወደን መዓስ ከም ዚህሉ፥ ክሳዕ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ የልቦን።

እዚ ብሃገር ደረጃ ነቲ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ምድላው መደብ፤ በቲ ኣብ መንጎ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢን” ”ማሕበራዊ-ቦርድ” ከምኡ ውን ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ምክልኻልን ድልውነትን”፥ ”ሕብረት ኮሙናትን ዞባታትን ሽወደን”፥ ”ሃገራዊ ኣወሃሃዲ-ስራሕ ክትባት ኮቪድ-19” ከምኡ ውን ”ሓኪም ምክልኻል ሕማም-ለበዳን”፥ ወከልቲ ዞባታትን ዚግበር ምትሕግጋዝ ዝዳሎ ዘሎ እዩ።

2020-08-28 N50

እቲ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ተኣዊጁ ዝጸንሐ እገዳ ተናዊሑ  

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ካብ ሕብረት-ኤውሮጳን ካብ ”ኢ.ኢ.ኤስ” ወጻኢ ዝዀና ሃገራት፥ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ተኣዊጁ ዝጸንሐ ጊዚያዊ እገዳ፤ ክሳብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2020 ንኸናውሖ ውሳኔ ወሲዱ።  

ዕላማ ናይዚ እገዳ’ዚ ድማ፥ ነቲ ሳዕቤናት ወረራ ኮሮና-ቪሩስ ንምንካይ ኰይኑ፥ እዚ ድማ፥ ነቲ ካብ ሃገራት ሕብረት-ኤውሮጳ፥ ኖርወይ፡ ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ኣይስላንድ፡ ሊኽተንስታይን ከምኡ ውን ስዊዘርላንድ ወጻኢ ዝዀና ሃገራት፥ ናብ ሃገር ሽወደን ንምምጻእ ዚፍጸም መገሻታት ዚምልከት’ዩ።

ብዛዕባ ናብ ሽወደን ዚግበር ናይ መገሻታት እገዳ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

2020-08-27 N49

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ናብ ቡልጋርያን ሆላንድን ሩሜንያን ካብ መገሻታት ምቚጣብ ዝብል ሂብዎ ዝነበረ ምኽርታት ኣልዒልዎ ኣሎ

ሚንስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ናብ ቡልጋርያን ሆላንድን ሩሜንያን ግድን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ካብ ምግባር ምቊጣብ ዝብል ኣውጺዎ ዝነበረ ምኽሪ ካብ ዕለት 27 ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ኣልዒልዎ ኣሎ።

ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ኣባላት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንን ዓባይ ብርጣንያን ግን እቲ ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻ ምቚጣብ ዝብል ምኽሪ ክሳብ ዕለት 9 መስከረም ጸኒዑ ክጸንሕ ይምከር።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ኣባላት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንን ዓባይ ብርጣንያን ወጻኢ ናብ ዝኾና ሃገራት እቲ ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻ ምቚጣብ ዝብል ምኽሪ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ጸኒዑ ክጸንሕ ይምከር።

2020-08-26 N48

ሕጂ፡ እቶም ”ናይ ሓደጋ-ጉጅለታት” ገንዘብ ንምርካብ ምልክት ከቕርቡ ተኸፊቱ ኣሎ

ሎሚ መዓልቲ፡ ነቶም ኣባላት ናይ ሓደጋ-ጉጅለታት ”ኮቪድ-19” ብምኻኖም፥ ናብ ስራሕ ካብ ምኻድ ከርጹ ዝተገደዱ ሰባት፥ ሓገዝ-ገንዘብ ንምርካብ ናብ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ (Försäkringskassan) ምልክታ ንኸቕርቡ ክፉት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ኪሕተት ዚኽእል ሓገዝ-ገንዘብ፥ ንድሕሪት ተመሊስካ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ 30 መስከረም ንዘሎ ጊዜ’ዩ።

እቲ ዚሕተት ሓገዝ-ገንዘብ ብኣድራሻ-ኢንተርነት ናይ ቤትስልጣን ”ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan webbplats) ኣቢልካ’ዩ ዚግበር። እቲ ምልክታ ዘቕርብ ሰብ፥ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልዎ/ዋ፥ ካብቶም ናይ ”ኮቪድ-19” ”ናይ ሓደጋ-ጉጅለታት” (riskgrupper) ምኻኑ/ና፥ ካብ ሓኪም ዝተረኸብ ምስክር-ወረቐት ኪህልዎ ይግባእ። 

እቲ ሓገዝን-ገንዘብ ንምርካብ ከመልክት ዚኽእል፥ እቲ ተቖጺሩ ዚሰርሕ ዝነበረ ሰብ ወይ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ ዘሎዎ ሰብ፥ ነቲ ስርሑ ኣብ ገዝኡ ኰይኑ ከካይዶ ዕድል ዘይብሉ ምስ ዚኸውን’ዩ። እቲ ወሃብ-ስራሕ ውን፡ ነቲ ሰራሕተኛ ካልእ ዓይነት ስራሕ ከዳልወሉ ዘይክእል ምዃኑ፥ ወይ ውን ብሓፈሽኡ ነቲ ሃለዋት ናይቲ ቦታ-ስራሕ’ቲ፥ ካብ ምትሕልላፍ ናይ ለበዳ ንምክልኻል ምትዕርራያት ኪገብር ዘይክእል ምዃኑ ይጥለብ እዩ።

ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (እዚ ገጽ’ዚ ብሽወደንኛ ዝተጻሕፈ’ዩ)

2020-08-24 N47

እቲ ካብ ሕጊ-50 ንላዕሊ ዚብል ድንጋጌ ይጽናዕ ኣሎ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ሰባት ካብ 50 ንላዕሊ ህዝባዊ ኣኼባታት ንኸይገብሩ ዚእግድ ሕጊ ንምቅላል፥ መጽናዕቲ ይገብር ኣሎ። እቲ 50 ተኻፈልቲ ዚብል ናይ ብዝሒ ሰባት ደረት፥ ከም ቀደሙ ሕጂ ውን ከምቲ ዋና ሕጊ ኰይኑ’ዩ ከገልግል።  

እቶም ምቅላል ኪግበረሎም ዝበሃሉ ክልተ መዳያት እዮም።

እቲ ሓደ መዳይ፡ ናይ ስሰያ-ኣገልግሎት ዝወሃበሉ፥ ንኣብነት ከም እንዳ-ሻሂታት፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ከምኡ ውን ናይ ትልሂት-ሙዚቃ ኣኼባታት’ዮም። ምናልባት ኣብዚ ኣብ ሙዚቃዊ-ምርኢታት ወይ ካልእ መድረኻዊ-ምርኢታት ንምድላው ይክኣል ይኸውን’ዩ።  

እቲ ካልኣይ መዳይ፡ ነቲ ገለ-ገለ ዓይነታት ኣኼባታት፥ ሕዝቢ ኮፍ ኢሉ ኪሳተፈሉ ዚኽእል ምርኢታት ክተዳሉ ምኽኣል ዚምልከት እማመ እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ከም ናይ ስፖርትን ካልእ ነንበይኑ ናይ ምርኢታት ዓይነታትን ዚምልከት’ዩ።

እንተ ዀነ ግን እዞም እማመታት እዚኦም፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣዳለውቲ ዘንብርዎ ጠለብ ውን ኣሎ’ዩ። ንሱ ድማ፡ እቲ ዚግበር ምትእኽኻባት፡ ካብ ለበዳ ውሑስ ጌርካ ንምትግባሩ መታን ኪክኣል፥ ጉባኤኛታት ምርሕሓቖም ክሕልዉሉ ዚኽእሉ ስጉምቲታት ምውሳድ ከድሊ’ዩ።

እዚ እማመ’ዚ ሕጂ፡ መጽናዕቲ ንኽግበረሉ ናብ ኣብያተስልጣን፥ ንኣብነት ናብ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ኪልኣኽ’ዩ። 

2020-08-24 N46

ሽወደን ኣብ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ውዕል ንክታበት ናይ ኮቪድ-19 ንዚምልከት እቲውቲ እያ።

ሽወደን ኣብ መንጎ ኮምሽን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣስትራ ዘነካን ዝግበር ውዕል ብዛዕባ ዕድጊ ክታበት ናይ ኮቪድ-19 ክትሳተፍ እያ። ነዚ መንግስቲ ወሲንዎ ኣሎ።

እዚ ውዕል ኣብ መንጎ ኮምሽን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሽወደናዊት-ብርጣንያዊት ትካል መድሃኒት ኣስትራ ዘነካ ብጠቕላላ ን300 ሚልዮን ዓቐን ክታበት ዚምልከት እዩ። ቅድመ-ኵነት ናይቲ ዕድጊ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ እቲ ክታበት ተቐባልነት እንተ ረኺቡ እዩ ክብል መንግስቲ ኣብቲ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ኣኼባ ሓቢሩ ኔይሩ።

ብመሰረት እቲ ውዕል ነፍስ ወከፍ ሃገር ብመሰረት ብዝሒ ህዝባ ብዝሒ ዓቐን መድሃኒት ክትረክብ ተኽእሎ ኣለዋ። ንሽወደን ንዚምልከት ብዛዕባ ኣስታት 6 ሚልዮን ዓቀን መድሃኒት እዩ። እተን ሃገራት ነቲ መድሃኒት ኣብ ሓደ እዋን እየን ክረኽብኦ።.

ኣየኖት ጕጅለ ናይዚ ህዝቢ ኣብቲ መጀመርታ እዋን ናይ ክታበት ዕድል ከም ዝወሃቦም ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ክውስን እዩ። እቲ ብዓል መዚ ንዕለት 31 ነሓሰ ነቲ ናቱ ሃገራዊ መደብ ክታበት ከቕርቦ እዩ።

2020-08-24 N45

ክልከላ ምብጻሕ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ተናዊሑ ኣሎ

መንግስቲ ነቲ ክልከላ ምብጻሕ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ክሳብ ዕለት 30 መስከረም ንኽናዋሕ ወሲኑ ኣሎ።

ከምኡ’ውን መንግስቲ ንብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሃገራዊ ሽማግለ ማሕበራዊ ጕዳያትን (Socialstyrelsen) ነቲ ግዝያዊ ክልከላ ምብጻሕ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ድሕሪ 30 መስከረም ኣብ ግብሪ ምውዓል ክቕጽል እንተ ኾይኑ ንኽርእይዎ ዕማም ሂብዎም ኣሎ።

– ሚኒስተር ማሕበራዊ ጕዳያት ሌና ሃለንግሬን ከም ዝበለቶ ”ንኣረጋውያን ምክልኻል፡ መንግስቲ ሕጂን ኣብ መጻኢ ግዜ እውን ዝቕጽሎን ቀዳምነት ዝህቦ ጕዳይ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድሩትነት ናይ ኣረጋውያን ሂወት ብናይ ሕብተረተሰብ ደረጃ ምስ ናይዚ ኮሮና ለብዒ ብከመይ ይምዕብል ከም ዘሎን ናይቲ ለበዳ ዝርጋሔ ከመይ ይመስል ከም ዘሎን ዝተኣሳሰረ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ” ።

እዞም ክልተ ብዓል መዚ፡ ድሕሪ 30 መስከረም እቲ ግዝያዊ ክልከላ ምብጻሕ ናብ መንበሪ ኣረጋውያን ከብቅዕ ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እንተ በጺሖም፣ ዝርግሐ ለበዳ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ክገትኡ ዝኽእሉ ካልኦት ክውሰዱ ዘለዎም ስጕምትታት ከቕርቡ ኣለዎም።

እኩብ ሓበሬታ ንዓኻ ዕድሜኻ 70 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ ወይ ሓደ ካብቶም ዘስግኡ ጕጅለ ዝኾንካ።

2020-08-17 N44

ቤትስልጣን ትራንስፖርት፡- ዘገድደካ ነገር ምስ ዚርከብ ጥራይ መገሻ ፈጽም - ኣብ ናይ ጽቕጥቕጥ ሰዓታት ካብ ምጋሽ ተቖጠብ።

ናይ ዕረፍቲ እዋናትን ናይ ሓጋይ ዕረፍቲን ብድሕሪ ምውድኡ፥ ናይ ህዝባዊ-መጐዓዝያን ናይ ማኪናታት ጽቕጥቅጥን ኩነታት ጸገማት ዝፈጥር’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ኣብቲ ናይ ዕለተ-ሓሙስ ዝተገብረ ናይ ኣብያተስልጣን ጋዜጣዊ-ዋዕላ፥ ቤትስልጣን ትራንስፖርት፡ ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ናይ ቀውዒ-ጊዜ፡ ሰባት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ጊዜ ጥራይ መገሻ ንኽፍጽሙ ሓላፍነቶም ንኺስከሙ፥ ናብ ህዝቢ ዘቕንዐ መዘኻኸሪ ኣቕሪቦም እዮም።

– እቲ ኣገባብ ብጽቡቕ’ዩ ዚሰርሕ ዘሎ፡ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ብድሕሪ ናይ ዕረፍቲ-እዋናት ዘሎ ጊዜ፥ ሕብረተሰብ ከም ብሓድሽ ብዕቱብ ምንቅስቓስ ኣብ ዚገብረሉ ጊዜ፥ ንውሑስ ዝዀነ ናይ ትራንስፖርት ምጕዕዓዛት፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነታዊ ምትሕግጋዝ ዘድልዮ እዩ። ኵሉ ሰብ ማኪና ሒዙ ንኽወጽእ ውን ፍታሕ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ከምቲ ”Roberto Maiorana” ሓለቓ ምምሕዳር-ትራንስፖርት ዝገለጾ፥ ኣብቲ ጽርግያታት ውን ናይ ማኪናታት ጽቕጥቅጥ ፈጢሩ፥ ኣገደስቲ ናይ ትራንስፖርትን ናይ ተጐዓዝቲን ምትሕልላፍ ከተዓናቕፍ ስለ ዚኽእል’ዩ።

ብዛዕባ ናይ ውሽጢ-ሃገር መገሻታት ብዝበልጸ ኣብዚ ኣንብብ።

2020-08-13 N43

ለውጥታት ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መገሻ ምቚጣብ ዝብሉ ምኽርታት

ድሕሪ 12 ነሓሰ እቲ ናብ ሊኽትንሽታይንን ኣውስትርያን ካብ ኣድላዪ ዘይኮኑ መገሻታት ምቝጣብ ዝብል ዝነበረ ምኽሪ ክልዓል እዩ።

ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ሂብዎ ዝነበረ ናይ ምቚጣብ ምኽሪ ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ናብ ኣንዶራ፡ በልጅም፡ ዳንማርክ፡ ፈረንሳይ፡ ግሪኽ፡ ኢስላንድ፡ ጥልያን፡ ክሮኣስያ፡ ሉክሰንበርግ፡ ሞናኮ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሳን ማሪኖ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኤስጳናያ፡ ቸኽ፡ ጀርመን፡ ሃንጋርን ቫቲካንን ኣልዒልዎ ኔይሩ እዩ።

ናብ’ተን ዝተረፋ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ኣባላት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንን ዓባይ ብርጣንያን እቲ ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ናይ ምቚጣብ ምኽሪ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ጸኒዑ ክጸንሕ እዩ።

ናብ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንን ዓባይ ብርጣንያን ወጻኢ ዝርከባ ሃገራት ንዝግበሩ ግድን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት፡ ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ 2020 ምቚጣብ ክግበረሎም ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ቅድሚ ሕጂ ውሳኔ ኣሕሊፉ ኔይሩ እዩ።

ተወሳኺ ብዛዕባ መገሻታት ናብ ወጻኢ ሃገርን ኣብ ወጻኢ ሃገር ምጽናሕን

2020-07-31 N42

ተኽእሎ እንተሎ፡ ኣብ ገዛኹም ኴንኩም ስርሑ

እቶም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ተኽእሎ ዘለዎም ሰባት ወላ’ውን ኣብ’ዘን ዝመጻ ኣዋርሕ ቀውዒ ብኸምኡ ስርሖም ክቕጽልዎ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ይመክር።ከምኡ ምግባር ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዝፍጠር ጥቓ ጥቓ ምዃንን ዘይምፍንታታትን(ምቅርራባት) ብፍላይ ኣብ ሕዝባውያን መጐዓዓዝያት ንኽቕንስ ይሕግዝ።

ኮቪድ-19 (Covid-19) ኣብ ሽወደን ገና ይስፋሕፋሕ እዩ ዘሎ። ብዝሒ ኣሃዝ ተለከፍቲ covid-19 ንምንካይ ነቲ ርሕቀትካ ምሕላውን ምስ ካልኦት ዝግበር ርክባት ድማ ምንካይን ዝብል መምርሒ ምኽታሉ ኣገዳሲ እዩ። 

ብዙሓት ኣብ ገዛ ኰይኖም ናይ ምስራሕ ተኽእሎ የብሎምን፡ ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈታት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሰርሑ፡ ወይ’ውን ኣብ ክንክንን ሕክምናን ዝሰርሑ። ንሳቶም ብዝተኻእለ ካብን ናብን ስራሕ መጠን ብውሑስ ኣገባብ ምእንቲ ክመላለሱ፡ ፈተነ ጻዕቂ ምውጋድ ክግበር ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ እምበኣር በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኩሎም እቶም ዝኽእሉ ዘበሉ ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ክሰርሑ ይላቦ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ኮፍ ካብ ምስራሕ ክመጽእ ንዝኽእል ሳዕቤን እቶም ወሃብቲ ስራሕ፡ ብዘለዎም ሓላፍነት ምፍጣር ውሑስ ኩነታት ስራሕ ጌሮም ክፈትሕዎ ይግባእ።

እዚ ለበዋ እዚ እቶም ሓፈሻውያን መምርሒታት ክሳዕ ዘለው፡ ኣብዚ እዋን እዝን ክሳዕን ንዕለት 31 ታሕሳስ 2020 ሓዊስካ የገልግል።

2020-07-31 N41

ለውጥታት ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መገሻ ምቚጣብ ዝብሉ ምኽርታት

ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ጀሚሩ እቲ ናብ ዴንማርክ፡ኖርወይ፡ስዊዘርላንድን ቸክን ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ምቚጣብ ዝብል ጸኒዑ ዝነበረ ምኽሪ ተላዒሉ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ነቲ ኣቐዲሙ ሂብዎ ዝነበረ ናይ ምቚጣብ ምኽሪ ካብ ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ናብ ኣንዶራ፡በልጅም፡ፈረንሳይ፡ጽርኢ(ግሪኽ)፡ኢስላንድ፡ጥልያን፡ ክሮኣስያ፡ሞናኮ፡ሉክሰንበርግ፡ፖርጡጋል፡ፖላንድ፡ሳን ማሪኖ፡ኤስጳናያ፡ጀርመን፡ሃንጋርን ቫቲካንን ኣልዒልዎ ከም ዝነበረ ይዝከር’ዩ።

እቲ ካብ ግድን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ናይ ምቚጣብ ምኽሪ ናብ’ተን ዝተረፋ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ሃገራት ኣባላት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንግን ዓባይ ብርጣንያን ግን ክሳብ ዕለት 12 ነሓሰ 2020 ጸኒዑ ክጸንዕ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ይመኽር።

ከም ዝዝከር ነቶም ወጻኢ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ሃገራት ኣባላት ኢ.ኢ.ኤስን(ኣባላት ቊጠባዊ ምትሕብባር ኤውሮጳ) ኣባላት ሸንገንግን ዓባይ ብርጣንያን ዝርከባ ሃገራት ዝግበሩ ግድን ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ 2020 ምቚጣብ ክግበረሎም ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ተዋሂቡ ነይሩ’ዩ።

2020-07-22 N40

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ብዛዕባ ዓቕሚ ”ነፍሰ-ምክልኻል” ሕማም ”ኮቪድ-19”

እቲ ብሕማም ኮቪድ-19 ተለኺፉ ከም ዝነበረ ዝተረጋገጸ ሰብ፥ ክሳብ ኣስታት 6 ወርሒ ዚኸውን ጊዜ፥ ከም ብሓድሽ ንኽድገስ ዘሎ ሓደጋ ኣዝዩ ትሑት’ዩ። እዚ፡ ኣብቲ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ንዞባታትን ንኮሙናት ኣውጺእዎ ዘሎ መምርሒ ገሊጹዎ ኣሎ።

እዚ፡ ”ተለኺፉ ከም ዝነበረ ዝተረጋገጸ” ሰብ ማለት፥ ሓደ፡ ኣብ መልከፍቲን ኣብ ምሕዋይን ከም ዘሎ ብምርመራ እወታዊ መልሲ ዝረኸበ፥ ወይ ውን እቲ ኣብ ኣካላቱ ”ጸረ-ኣካላት” ዘሎዎ ሰብ ማለት’ዩ። ብድሕሪ ብረኽሲ ተለኺፍካ ምንባርካ፥ ገለ ዓይነት ናይ ”ነፍሰ-ምክልኻል ዓቕሚ” ብርግጽ ይህልወካ’ዩ፤ ዋላ’ኳ ክዕቀን ብዚኽእል ደረጃ እንተ ዘይኰነ፥ ኪብል ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። 

እቲ ገለ ዓይነት ናይ ”ነፍሰ-ምክልኻል ዓቕሚ” ኣሎዎ ተባሂሉ ዚግምገም፥ እሞ ካብ ምልክት-ሕማም ውን ምሉእ-ብምሉእ ነጻ ዝዀነ ሰብ፥ ንርእሱ ሕማም ንኺለግቦ ወይ ናብ ካልኦት ሰባት ውን ንኸተሓላልፍ ዘሎ ሓደጋ ኣዝዩ ትሑት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ ዕድል ኣሎካ ማለት’ዩ፤ ዋላ ውን ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተ ዀነ። እዚ ድማ፡ ንስኻ ይኹን እቶም ትራኸቦም ሰባት፡ ኣባል ናይ ”ሓደጋ-ጕጅለ” ምዃንኩም ብዘየገድስ’ዩ።

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ፡ ምስ መን ክራኸብ ከም ዚኽእል፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ገምጋም ኪገብር ይግብኦ። ኵሉ ሰብ፡ ብቐጻሊ ውን ነቶም ለበዳ ንምንካይ ወጺኦም ዘሎዉ መምርሒታት፥ ብግቡእ ኪስዕቦም ይግብኦ’ዩ። ኣብቲ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማም ዝካየደሉ ቦታታት ድማ፥ እቶም ንጽሬትን ንመከላኸሊ-መሳርሒታትን ወጺኦም ዘሎዉ ኣገባባት፥ ብግቡእ ኪስዓቡ ይግባእ እዩ።

ብኸምዚ ኣገባብ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ክንከላኸል ኢና፡-

  • ምልክት-ሕማም ”ኮቪድ-19” ምስ ዚህልወካ፥ ኣብ ገዛኻ ጽናሕ።
  • ኣእዳውካ ደጋጊምካ ትሓጸብ።
  • ምስ ካልኦ ሰባት ዘሎካ ምርሕሓቕ ሓሉ።
  • ንኣረጋውያንን ነቶም ኣባላት ናይ ”ሓደጋ-ጕጅለን” ኣብ ትበጽሓሉ ጊዜ፥ ጥንቃቐ ደኣ ግበር።
  • ሰባት ብብዝሒ ካብ ዚርከቡሉ ምትእኽኻባት ተቖጠብ።

2020-07-16 N39

ምቅይያር መምርሒ-መገሻታት ካብ ጉዳይ ወጻኢ ሃገር

ምኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሃገር ሽወደን (Utrikesdepartementet, UD)፥ ነቲ ናብ ”ኣንዶራ”፡ ”ፖላንድ” ከምኡ ውን ጀርመን ንዘይምጋሽ ኣውጺእዎ ዝነበረ መምርሒ፥ ካብ ዕለት 15 ሓምለ ጀሚሩ ከም ዝሰረዞ ገሊጹ። ብኣንጻሩ ግን ጉዳይ ወጻኢ ሃገር፥ ነቲ ናብ ”ስዊዘርላንድ” መገሻ ንዘይምግባር ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ካብ 15 ሓምለ ክሳብ 29 ሓምለ ዳግም ከም ዘናውሖ መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ።

ምኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሃገር (UD) ንናይ ሓጋይ-መገሻታት ብዚምልከት፥ ሰባት መደብ ንኽገብሩ መታን ክጥዕሞም፥ እቲ ኩነታት ”ኮቪድ-19” ውን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ምልውዋጣት ይገብር ብምህላዉ ምኽንያት፥ ኣጠጥቢቑ ናይ መምርሒ ምልውዋጣት ሓበሬታ ኪህልዎ እዩ።

ካብ ቅድም ጀሚሩ፡ ካብቶም ኣድላይነት ንዘይብሎም መገሻታት ንኽንቁጠብ ተዋሂቡ ዝነበረ መምርሒ፥ ነቲ ናብ 14 ሃገራት ዝነበረ ናይ እገዳ መምርሒ፥ ተዘሪዙ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ውን ቀጺሉ፡ ናይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሃገራት፡ ማለት ናይ ”ኣንዶራ” ናይ ”ፖላንድ” ናይ ”ጀርመን”፥ ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ተደሚሩዎ ኣሎ። ናብ ”ስዊዘርላንድ” ዚግበር ኣድላይነት ናይ ዘይብሉ መገሻ ግን፥ ንኣብነት ንናይ ዕረፍቲ መገሻ፥ ካብ 15 ሓምለ ክሳብ 29 ሓምለ ንዘሎ ጊዜ፥ ዳግም ናይ እገዳ መምርሒኡ ኣጽኒዑ ኣሎ።

ናብ ካልኦት ናይ ”ሕብረት-ኤውሮጳ ሃገራት”፡ ናይ ”ኤ.ኤ.ኤስ” ከምኡ ውን ኣብ ከባቢ ”ሸንገን” ናብ ዘሎዋ ሃገራትን፥ ”ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ” ዚግበር ኣድላይነት ዘይብሉ መገሻታት፥ እቲ ናይ እገዳ መምርሒ፥ ክሳብ 29 ሓምለ 2020 ጸኒዑ ንኽናዋሕ ተወሲኑ ኣሎ።

ናብተን ካብ ”ሕብረት-ኤውሮጳ”፡ ”ኤ.ኤ.ኤስ”፡ ”ሸንገን” ከምኡ ውን ”ዓባይ-ብሪጣንያ” ወጻኢ ንዝዀና ሃገራት ዚግበር ናይ ምጋሽ እገዳ፥ ክሳብ 31 ነሓሰ 2020 ኪኸውን ዝወጸ ውሳኔ ኣሎ።

ኣብዚ፡ ”ጉዳይ ወጻኢ ሃገራት” ናይተን ክትገሸለን ትኽእል ሃገራት ዝርዝር ኣስማት ክትረክብ ኢኻ። (እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ ዝተጻሕፈ’ዩ)

2020-07-06 N38

እቲ ጊዝያዊ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ዝነበረ እገዳ - ክሳብ 31 ነሓሰ ንዘሎ ጊዜ ተናዊሑ

መንግስቲ ሽወደን ሎሚ መዓልቲ፥ ነቲ ጊዚያዊ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ጸዲቑ ዝነበረ እገዳ፥ ክሳብ 31 ነሓሰ ንኽናዋሕ ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ውን መንግስቲ ሽወደን፥ ንኻልኦት ብዙሓት ገያሾ ናብ ሽወደን ንምእታው ጌሩዎ ዝጸንሐ ክልከላ - ንኸቃልሎ ወሲኑ ኣሎ።

እዚ ጊዚያዊ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ዝጸንሐ እገዳ፥ ኣብ 19 መጋቢት ዝተጀመረ ዀይኑ፥ ን30 መዓልታት ንኸገልግል ተባሂሉ ዝወጸ’ዩ። ቀጺሉ ግን፡ ብመሰረት’ቲ ካብ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸ መምርሒታት፥ እናተናውሐ ኪቕጽል ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ርእሲኡ ግን መግስቲ ሽወደን፥ ነቲ ናብ ሽወደን ንምጋሽ ዚግበር ዝነበረ ክልክላ ንኸቃልሎ ወሲኑ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ገለ ካብቶም ናብ ሽወደን ክኣትዉ ተፈቒዱሎም ዝነበሩ ሰባት፥ ማለት ዜጋታት ሕብረት-ኤውሮጳ መምስ ስድርኦም ከምኡ ውን ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዘሎዎም ሰባት ኰይኖም፥ እቲ ናይ መገሺኦም ዕላማ፡ ናብ መንበሪ ቦትኦም ንምምላስ ዝመጹ ምስ ዝዀኑ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውሳኔ፥ እቲ ነቲ ዕላምኡ ናብ ገዛኻ ንምኽትምለስ እንተ ዀይኑ - ዚብል ዝነበረ ጠለብ ኣልዒልዎ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ እቶም ዜጋታት ሕብረት-ኤውሮጳን እቶም ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዘሎዎምን ሰባት፥ ናይቲ መገሽኦም ዕላማ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፥ ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ተፈቒዱሎም ኣሎ። እቲ ንኣባላት ስድቤቶም ውን፡ ነቲ ናብ ገዝኦም ንኽምለሱ እንተ ዀይኖም ዚብል ዝነበረ ጠለብ፥ ንሱ ውን ተላዒሉ ኣሎ።  

ናይቶም ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዚፍቀደሎም ዓይነታት ውን፥ ስፍሕ ኢሉ ኣሎ፥ ማለት ንካብ ገለ ካብ ሕብረት-ኤውሮጳ ወጻኢ ንዝዀኑ ዝተለለዩ ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ውን፥ ካብቲ ናይ መገሻ ክልከላ ከም ዚልዓሉ ተጌሩ ኣሎ።

እዚ ለውጢ’ዚ ካብ ዕለት 04 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ኪውዕል’ዩ። 

2020-07-03 N37

እቶም ኣብ ኣካላቶም ጸረ ተሃዋስያን ዝተረኽቦም፡ ንኽራኸቡ ዝቐለለ እዩ

ኣብ ኣካላቶም ጸረ ተሃዋስያን ከም ዘጥረዩ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ ብግፍሕ ዝበለ ኣጠማምታ ምስ ስድራቤቶምን መቕርብ ኣዕሩኽቶምን ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ጥዕና ህዝቢ ገምጊሙ’ሎ። እዚ፡ ነቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦምን ነቶም ኣብ ተነቃፊ ጉጅለ ዝምደቡን፡ ተወሳኺ ትርጉም ዝህብ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ህላወ ጸረ ተሃዋስያን ንተኽእሎ ምልባዕ ዝንኪ ከም ዝዀነ’ዩ ዝግምገም፡ ንገዛእ ርእስኻ ከይትልባዕ፡ ንኻልኦት’ውን ከይትልብዕ ዘሎ ተኽእሎ ከም ዝንኪ ድማ ይግምገም። እዚ ገምጋም እዚ ግን፡ ሰብ ነቲ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ ሓፈሻዊ ለበዋታትን መኸላእታታትን ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ለብዒ ንምንካይ ተባሂሉ ዝወጸ፡ ሕጋዊ መምርሒ ክሳዕ ዝተኸተለ እዩ። ኣእዳውካ ምሕጻብ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝግበር ርክብ ርሕቀትካ ምሕላው፡ ከምኡ’ውን ሕማም ኣብ ዝስምዓካ ድማ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ከም ዝግባእ ዝብሉ ንኣብነት፡ ክቕጽሉ ዘለዎም ኣገዳስቲ ጥንቃቐታት እዮም። 

ህላወ ጸረ ተሃዋስያን ኣብ ኣካላት፡ ካብታ እቲ ሰብ መልሲ ዝረኸበላ ዕለት ኣትሒዙ፡ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓድሽ መልከፍቲ፡ ክሳዕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ ዘሎ ፍልጠት እናወሰኸ ይመጽእ ስለ ዘሎ ግን እዚ ሓበሬታ እዚ ክሕደስ ዝኽእል እዩ።  

– ኣብዚ እዋን እዚ፡ ህላወ ጸረ ተሃዋስያን ኣብ ኣካላት ንተኽእሎ ምርኻብ ምስ መቕርብ ከም ዘበርኾ ኢና እንግምግም፡ እዚ ኸኣ ብፍላይ ነቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦምን ነቶም ኣብ ተነቃፊ ጉጅለ ዝምደቡን፡ ትርጉም ዘሎዎ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ንሳቶም፡ ንባዕሎም እኳ እንተዘይብሎም ግናኸ ምስቶም ጸረ ተሃዋስያን ዘሎዎም መቕርብ ብሰፊሕ መጠን ተኽእሎ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ካብ ህሉው ኩነታት ብምብጋስ ናይ ባዕሉ ገምጋም ክገብርን ከም ውልቀ ሰብ’ውን ባዕላዊ ሓላፍነት ክወስድን የድልዮ’ዩ፡ ትብል ኣብ በዓል መዚ ጥዕና ህዝቢ ሓላፊት ዝዀነት ካሪን ቴግማርክ ዊሰል።

ውጽኢት እቲ መርመራ ክትጥቀመሉ ንምኽኣል፡ ኣዝዩ ልዑል ዓቕምን ልዑል መጠን ተኣማንነትን ክህልዎ ኣገዳሲ’ዩ።

2020-06-30 N36

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያት (Socialstyrelsen): ኣብዚ ናይ ”ፓንደሚ” ጊዜ፥ ቁጽሪ ናይቶም ናብ ህጹጽ-ሕክምና (akutmottagningar) ዝመጹ ሰባት ጐዲሉ ኣሎ

ኣብ ሽወደን፡ እዚ ”ኮቪድ-19” ካብ ዝተኸስተሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ እቲ ናብ ህጹጹ-ሕክምና ዚግበር ዝነበረ ናይ ተሓከምቲ ምብጻሕ፥ ኣዝዩ ተጓዲሉ ኣሎ። ”ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያት” (Socialstyrelsen) እዚ ምዕባለ’ዚ ሳዕቤን ኪህልዎ ከም ዝዀነ የጠንቅቕ።

ኣብ መንጎ መበል 10 ሰሙን ክሳብ 14 ሰሙን ዘሎ ጊዜ፥ ናብ መቐበል ህጹጽ-ሕክምና ዚግበር ዝነበረ ቁጽሪ-በጻሕቲ፥ ብ31 % ጐዲሉ ኣሎ። ናይቶም ብዝበለጸ ቁጽሮም ጐዲሉ ዘሎ በጻሕቲ፥ እቶም ካብ 0 - 17 ዓመት ከምኡ ውን እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦምን ሰባት እዮም።

– እቶም ንግዚኡ ቅልል ዝበለ ምልክት-ሕማም ዘሎዎም ኰይኑ ዚስምዖም፥ ንኣብነት ናይ “ሕማም-ልቢ”፡ ካንሰር ወይ ካልእ ሓደገኛ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘሎዎም ሕማማት፥ እንተ ደኣ ናብ ሕክምና ከይመጹ ተጸብዮሞ፥ ብሃንደበት ኣዝዩ-ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ናይ ስንክልና፥ ወይ ውን ምናልባት ኣብቲ ዝኸፍአ ኣጋጣሚ፡ ናብ ሞት ዘብጽሕ ውን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እታ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ “ቤት ምኽሪ ማሕበራዊ ጉዳያት” ዘጽንዐት “Thea Enhörning” ዝተባህለት ሰብ ከምኡ ክትብል ገሊጻ። ኣብዚ ናይ ኮሮና ”ፓንደሚ” ጊዜ፥ ኣብ ናይ ”ስነኣእምሮእእዊ” ህጹጽ-ሕክምና ብዚምልከት፥ ካብቲ ኣብኡ ዚግበር ዝነበረ ምብጻሕ፥ ኣስታት ብ22% ነክዩ ኣሎ።

ኣብዚ ዝተገብረ ምጽራይ ከም ዘርእዮ፥ ካብቶም ኣብ ሰሙናት 2 - 10 ከምኡ ውን 14 - 16 ናብ ”ሕክምና-ስኒ” ዝመጹ ዝነበረኡ በጻሕቲ፥ ብፍላይ ኣብዘን ሰሙናት’ዚአን፥ ዳርጋ ብፍርቂ ጐዲሉ ኣሎ።

እቲ ”ብቤትምኽሪ ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያት” (Socialstyrelsen) ዝተገብረ መጽራይ፥ እቲ ምኽንያት ናይ’ዚ፡ ሻቕሎት ናይ ለበዳ ከምኡውን እቲ ንቤት ሕክምና ተወሳኺ ጽዕነት ዘይምዃን ዘሎ ድሌት ኪኸውን ከም ዚኽእል ገሊጻ።

 2020-06-25 N35

መንግስቲ ነቲ ናብ ሃገር ሽወደን ናይ ምእታው እገዳ ኣናዊሕዎ ኣሎ

ሳዕቤን ዝርግሐ ናይ ኮሮና ቫይረስ ንምፍኳስ፡ መንግስቲ ነቲ ግዝያዊ እገዳ ናብ ሃገር ሽወደን ምእታው ክሳብ 7 ሓምለ ኣናዊሕዎ ኣሎ።

ናይ ሽወደን፡ ግዝያዊ እገዳ ናብ ሃገር ሽወደን ምእታው ካብ 19 መጋቢት እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ። ንሰለስተ ግዜ ድማ ተናዊሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ መንግስቲ እቲ እገዳ ክሳብ 7 ሓምለ ከም ዝናዋሕ ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ ብመሰረት ምኽሪ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት እዩ ተወሲኑ።
ዕላማ ናይዚ ናብ ሃገር ሽወደን ናይ ምእታው እገዳ፡ ሳዕቤን ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ንምፍኳስን ናይ ኮቪድ-19 ለበዳ ንምንካይን እዩ።

እዚ እገዳ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እገዳ፡ ንዅሎም ብጀካ ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ልየኽተንስቴንን ስዊዘርላንድን፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋታት ዝኾኑ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ሽወደን ዝገሹ ሰባት ይምልከት። ሽወደናውያን ዜጋታት ኣብዚ እገዳ እቱዋት ኣይኮኑን።

2020-06-18 N34

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ነቲ ንዓሰርተ ሃገራት ዝምልከት ዝነበረ ለበዋ 30 ሰነ ክስርዞ’ዩ

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ካብ 30 ሰነ ጀሚሩ ነዘን ዝስዕባ ሃገራት ዝምልከት ዝነበረ ምኽሪ ክስርዞ’ዩ፡ በልጅም፡ፈረንሳይ፡ግሪኽ፡ኣይስላንድ፡ጥልያን፡ክሮኣስያ፡ሉክሰንበርግ፡ፖርቱጋል፡ስዊዝን ኤስጳንያን። ንካልኦት ሃገራት ብዝምልከት ግን እቲ ምኽሪ ኣብ ቦቱኡ ኣሎ።

መገሻ ናብ’ዘን ዓሰርተ ሃገራት ዝተኸፈተሉ ምኽንያት፡ንሳተን ብወገነን’ውን ነቲ ናብ ሽወደንን ካልኦት ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራትን ዝግበር መገሻ ስለ ዝኸፈተኦ’ዩ።እዚ ነቲ ኣጠራጣሪ ኲነታት ስለ ዝቕንሶ ነቶም ዝገሹ ሽወደናውያን የቃልለሎም’ም ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ሃቢሩ።

ምስኡ ድማ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ግን ናይ’ቲ ውልቀሰብ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ከስምረሉ ይደሊ። እቶም ናብ’ዘን ሃገራት ዝገሹ ሰባት እቲ መገሻ ብሓቂ ኣድላዪ ምዃኑን ዘይምዃኑ ክሓስብሉ፡ነታ ዝገሽዋ ሃገር ድማ ብደንቢ ክዳለውላን ነቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ’ቶም ዝኽየዱ ቦታታት ዝወሃቡ ለበዋታትን መምርሕታትን ክኽተልዎ ኣለዎም።ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ዝህልወካ ብፍጹም ክትገይሽ የብልካን።ዝተፈላለያ ሃገራት ብዛዕባ ለብዒ ዝኽተልኦ ኣገባባት ንኣብነት ምክትታል ረስኒ፡ ምጥቃም መከላኸሊ-ኣፍ፡ደንብታት ብዛዕባ ማሕበራዊ ምፍንታታት፡ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ።

ኣይድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ናብ’ተን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጵ፡ኢ.ኢ.ኤስን ሸንገንን ብዝምልከት ድማ እቲ ምኽሪ ክሳብ ዕለት 15 ሓምለ ከም’ዘለዎ ኣሎ።ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጵ፡ ኢ.ኢ.ኤስን ሸንገንን ወጻኢ ዝኾና ሃገራት ኣድለይቲ ዘይኮኑ መገሻታት ብዝምልከት ከኣ እቲ ለበዋ ክሳብ 31 ነሓሰ ጸኒዑ ከም ዝጸንሕ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሓቢር። 

ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይ’ቲ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ዝተዋህበ መልእኽቲ፡ባዕሉ እቲ ሚኒስትሪ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ሽወደናውያን ኤምባስታትን ቆንስላትን፡ነቲ ብሰንኪ ህሉው ኲነታት ናብ ሽወደን ክምለስ ዝደሊ ግን ክምለስ ዘይከኣለ ሰብ፡ዝኾነ ይኹን መጐዓዓዚ ኣይከዳልዋሉን እየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ነታ UD Resklar ትብል ኣፕ ከተውርድዋን ነቲ ኣብ መካነ መርበብ Sweden Abroad ዘሎ ሓበሬታ መገሻ ክትርእይዎን ይመሓጸን።እቲ ጽሑፍ ብሽወደንኛ እዩ።

2020-06-16 N32

ኣብ መእለዪ እንዳ ዓበይቲ ዝነበረ ክልከላ በጻሕቲ ተናዊሑ

ኣብ መእለዪ እንዳ ዓበይቲ ጸኒዑ ዝነበረ ሃገራዊ ትእዛዝ ክልከላ በጻሕቲ ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ ተናዊሑ ከም ዘሎ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃለንግሬን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላኣ ገሊጻ።ዕላማ ናይ’ዚ ክልከላ በጻሕቲ፡ሓደጋታት ለብዒ ኮቪድ-19 ንምንካይ’ዩ።

እቲ ክልከላ በጻሕቲ ይናዋሕ ስለ ዘሎ፡እቶም ሽማግለታትን ቀሪባቶምን ርክባቶም ምእንቲ ከካይዱ፡ ነቶም ትካላት እንዳ ዓበይቲ ሓገዝ ክወሃቦም ድሌት መንግስቲ’ዩ።እቲ ምብጻሕ ብዝወሓሰ መንገዲ ምእንቲ ክፍጸም፡ነቶም ትካላት እንዳ ዓበይቲ ዝብርከተሎም ሓገዝ ክብ ንኽብል መንግስቲ ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን መዚ ሂብዎ ኣሎ።እቲ ሓገዝ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንኣብነት መከላኸሊ ብምብርካት፡ ርክባት ኣብ ግዳም ብምክያድ ወይ’ውን ብዲጂታላዊ መሳርሒ ከም ኣይፓድ ብምጥቃም ክወሃብ ይከኣል።

2020-06-15 N31

ኮቪድ-19 ናብ ሽወደን ካብ ብዙሓት ሃገራት መጺኡ

ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ’ቶም ካብ መገሻ ዝተመልሱ ገያሾ ዝተረኽበ ሕነተ-ሰረት (ጂኖም) ቫይረስ ኮረና፡ዳህሳስን ምውድዳርን ኣካይድሉ።ካብ’ቶም ዝተበጽሑ መደምደምታታት ሓደ፡ ኮቪድ-19 ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ሽወደን ዝመጸ ከም ዝመስል’ዩ።

ብዘይካ እቶም ፍሉጣት ምንጭታት ሃገራት ጥልያንን ኦስትርያን፡እቲ መልከፍቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ ፈረንሳይ፡ሆላንድን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ካብ ዘለዎኦ ሃገራት ናብ ሽወደን ከም ዝመጸ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ሕነተ-ሰረት (ጂኖም) ናይ’ቲ ቫይረስ ድሕሪ ምውድዳር፡እቲ ኣብ ዞባታት ዝተወስደ ስጒምቲ ምክልኻል ለብዒ፡ነቲ ካብ ጥልያን ዝመጸ ለብዒ ሱር ከይሰድድ ሓጊዝዎ’ዩ ዝብል መደምደምታ እዩ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ዘለዎ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልከቶ፡ድሮ ኣብ መወዳእታ ለካቲትን መጀመርያ መጋቢትን እቲ ቫይረስ ኣብ’ቶም ካብ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳውያን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ዝመጹ ገያሾ ከም ዝተራእየ’ዩ።ስለ’ዚ እቲ ለበዳ ነዘን ሃገራት ካብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ተኣሚቱ ዝነበረ ግዜ ቀዲሙ ዝለኸፈን ዝመስል።

2020-06-10 N30

ንሰላማዊ-ሰልፊ ታት ዚወሃብ ፍቓድ - ተወሳኺ ቀይዲ ይግበረሉ

መታን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ”ኮቪድ-19” ንምንካይ ኪክኣል፥ ቤት ስልጣን ፖሊስ”፡ ነቲ ንሰላማዊ-ሰልፊ ተባሂሉ ዚወሃብ ዝነበረ ፍቓድ፥ ቀይዲ ጌሮምሉ ከም ዘሎዉ መግለጺ ሂቡ። ነዚ ምኽንያት ዝዀነ ድማ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ እንተ በዝሐ 50 ሰባት ዚብል ናይ ብዝሒ ሰብ ምእካብ ደረት፥ ብተደጋጋሚ ኪጥሓስ ስለ ዝተራእየ እዩ።

ቤትስልጣን ፖሊስ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም ዝገለጾ፥ ”ሕጊ ማሕበራዊ ስርዓት” ብዘፍቅዶ መሰረት፥ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምክልኻል ተባሂሉ፥ ንናይ ህዝቢ ሓፈሻዊ ምእካብ ፍቓድ ንኺነጽግ ከም ዘኽእሎ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ናይ ለበዳ ኵነታት ውን፥ ኣብዚ ሕጋዊ-ድንጋጌ’ዚ ስለ ዝካተት እዩ።

2020-06-10 N29

ኣብ ጊዜ ሓጋይ፡ ዝወሓደ ”ጋዜጣዊ-ዋዕላ” - ናይ ”ኮቪድ-19”

ካብ ዕለት 10 ሰነ ጀሚሩ፡ እቶም ሓባራዊ ብዛዕባ ”ኮቪድ-19” ብኣብያተስልጣን ዚግበር ዝነበረ ጋዜጣዊ-ዋዕላታት፥ ኣብ ዕለታት ሰሉስን ሓሙስን ከም ዚካየድ ኪግበር’ዩ። 

ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ”ብቤትስልጣናት ጥዕና-ህዝቢን”፡ ”ብቤት ምኽሪ ማሕበራዊ-ጉዳያት” ከምኡ ውን ”ብቤትስልጣን ማሕበራዊ-ሓለዋን ድልዉነትን”፥ ንለበዳ ”ኮቪድ-19” ኣመልኪቱ፥ ኣብ ኵለን ናይ ስራሕ ዕለታት፥ በብመዓልቱ ”ጋዜጣዊ-ዋዕላታት” ኪገብር ጸኒሑ’ዩ። ካብ ዕለት 10 ሰነ ጀሚሩ ግን፥ ”ጋዜጣዊ-ዋዕላታት” ኣብ ዕለታት ሰሉስን ሓሙስን፥ ሰዓት 14.00 ኪገብር እዩ። እዚ ”ጋዜጣዊ-ዋዕላታት’ዚ” ብሽወደንኛ ቋንቋን ብናይ ምልክት ቋንቋን ኪትግበር’ዩ።

2020-06-05 N28

ንናይ ውሽጢ-ሃገር መገሻታት ዝነበረ መምርሒ  ተቓሊሉ

ካብ 13 ሰነ ጀሚሩ፡ እቶም ምልክት ሕማም ዘይብሎም ሰባት፡ ኣብ ሽወደን መገሻ ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም፤ ኪብል መራሕ-መንግስቲ ሽወደን ”ስቴፋን ሎቬን” ተዛሪቡ።

መታን እዚ ኣብዚ ናይ ምቅላል መገሻ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ብግቡእ ክሰርሕ ግን፤ ኵሉ ሰብ፡ ነቶም ወጺኦም ዘሎዉ ናይ ኣካላዊ-ምርሕሓቕ ሕጊታት፥ ብጥንቃቐ ኪስዕቦም ይግባእ። እዚ ነገር’ዚ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ውን ብዝበለጸ ኪሰዓብ ከም ዘሎዎ፥ መንግስቲ ሽወደንን “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢን” መግለጺ ሂቦም።

– ትርጉም ዘሎዎ ናይ ሓጋይ-ዕረፍቲ ምግባር፥ ንኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ወሲኹ ላዕለዋይ ዲረክቶር ናይ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፥ “ዮሃን ካርልሶን” ከም ዝብሎ፥ ኣነ ከም ብሓድሽ ኣትሪረ ከስምረሉ ዚደሊ፥ ኵሉ ሰብ፡ ነቶም ወጺኦም ዘሎዉ መምርሒታት ብጥንቃቐ ኪስዕቦም፥  ሰብ ውን ዋላ እታ ዝነኣሰት ናይ ሕማም ምልክት ትሃልዎ፥ ኣብ ገዝኡ ኪጸንሕ፡ ብጥንቃቐ ኢዱ ኪሕጸብ፥ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎዎ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ኪሕሉ፥ ጽቕጥቕት ካብ ዘሎዎ ቦታ ውን ኪቝጠብን እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ብተወሳኺ ኣትሪሩ ከም ዘጠንቅቖ፥ እቲ ሓደጋ ሕጂ ውን ከም ዘይትኣልየን፥ ሽወደን ውን ኣብ ከቢድ ሃለዋት ከም ትርከብን እዩ።

2020-06-04 N27

ናይ “ኮቪድ-19” ምርመራ ብነጻ

ኵሎም’ቶም ምልክት ሕማም ”ኮቪድ-19” ዘሎዎም ሰባት፥ ብነጻ ኪምርመሩ ይኽእሉ’ዮም። ብውሳኔ ናይ መንግስቲ መሰረት፥ እቲ ምርመራ ብነጻ’ዩ ዚግበረሎም። እቲ ”መከላኸሊ-ሕማም” ናይ ምፍጣርካ መፈተሺ ምርመራታት ውን ክብ ኪብል’ዩ። 

እቲ ምርመራታት ብሰፊሕ-ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ከም ዚካየድ ኪግበር’ዩ። መንግስቲ-ሽወደን፡ ነተን ዞባታት፡ ምስ ምክያድ ናይዚ ምርመራታት’ዚ ዚገብርኦ ተወሳኺ ወጻኢታት፥ ባዕሉ ኪሽፍነለን’ዩ።

እቶም ምልክት-ሕማም ናይ ”ኮቪድ-19” ዘሎዎም ሰባት፥ ምርመራ ንምግባር ኪዕደሙ እዮም። እዚ ድማ፡ በቲ ”ርእሰ-ምርመራ”፡ ማለት ባዕልኻ ንፍስኻ ትምርምረሉ ኣገባብ ዚግበር ኰይኑ፤ እቲ መሳርሒ መመራ፡ ናብቲ ሕሙም ኪልኣኸል’።፥ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ቅስሞ መጺኦም ዚወስዱዎ ኩባንያ ኪህልዉ እዮም። ካልእ ኣማራጺ፡ ሓደ ብማኪና መጺእካ ምርመራ እትገብረሉ፡ ናይ ምርመራ-ነቝጣ” drive in-stationer” ተዳልዩ፥ ናብኡ ብምኻድ ምርመራ ከም ዚውሰደልካ ኪግበር’ዩ።

እቲ መከላኸሊ-ሕማም ናይ ምፍጣርካ መፈተሺ ምርመራ ውን ክብ ኪብል’ዩ። 

– ነዚ ከምዚ ምርመራታት ዚኸውን ገንዘብ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፥ እቲ ዚግበር ምርመራታት፥ ንሰራሕተኛታት ”ክንክን-ሕማም”፡ ንሰራሕተኛታት ”መዋዕለ-ሕጻናት”፡ ”ንተገልገልቲ”፡ ”መንበሪ-ኣረጋውያን”፡ ንሰርሓተኛታት ”ኣገልግሎት-ኣባይቲ” ከምኡ ውን ኣብቲ ንሕብረትሰብ ኣገደስቲ ንጥፈታት ዝሰርሑ ሰባትን፥ ብነጻ ዚግበር ምርመራ’ዩ። እቲ መንግስቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈት፥ እቲ ካልእ ህዝቢ ሽወደን ውን፥ ነቲ ”ናይ መከላኸሊ-ሕማም” ናይ ምፍጣርካ መፈተሺ ምርመራ ንኺግበርሉ’ዩ። እዚ ግን ገንዘብ ከፊልካ ትገብሮ ኪኸውን’ዩ፥ ክትብል ምኒስተር ”ማሕበራዊ-ጉዳያት”፡ ”Lena Hallengren” ገሊጻ ኣላ።

2020-06-04 N26

መንግስቲ ሽወደን - ነቶም ኣብ ሕርሻ፡ ጫካን-ዱርን ከምኡ ውን ስርሓት ጀራዲንን ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት፥ ምስቶም ናብ ሽወደን ንምጋሽ እገዳ ዘይምልከቶም ሰባት ኰይኖም ንኺጽብጸቡ ወሲኑ ኣሎ። ብዛዕባ ናብ ሽወደን ምእታው እገዳ ብዚያዳ ኣብዚ ኣንብብ

2020-06-03 N25

ሃገራዊ መስመር-ቴሌፎን - ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ኮሮና-ቪሩስ ብብዙሕ ቋንቋታት

እቲ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ኮሮና-ቪሩስ መስመር-ቲሌፎን፥ ብሃገር ደረጃ ከም ዚግበር፥ ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢን እቶም ዞባታትን ኣፍሊጦም። 

ኣብዚ መስመር-ቴሌፎን’ዚ ዝተመደቡ፥ ወሃብቲ ሓበሬታ-ጥዕና ናይ ዞባታት እዮም። ንሳቶታም ብቛንቋታት ዓረብኛ፡ ሶማልኛ፡ ፐርሺያ/ዳሪ፡ ትግርኛን/ኣምሓርኛን ከምኡ ውን ሩስያን ዝዛረቡ’ዮም። እቲ መስመር-ቴሌፎን: 08-123 680 00 እዩ።

እዚ መስመር ቴሌፎን’ዚ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ናይ ስራሕ-መዓልቲ፥ ኣብ ሰዓታት 09.00-12.00  ከምኡ ውን ኣብ ሰዓታት 13.00-15.00 ክፉት እዩ። ናብዚ ብምድዋል፡ መልሲ ናይቶም ሓፈሻዊ ሕቶታት ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ መስመር-ቴሌፎን’ዚ መብርሂ ክንክን-ሕማም ዝሕተተሉ ስለ ዘይኰነ፤ ብዛዕባ ነናይ ውልቅኻ ናይ ሕማም-ጉዳይ ሓገዝ ኪህበካ ኣይክእልን’ዩ፤ ስለዚ ከምኡ ዓይነት ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ናብ 1177 ምድዋል’ዩ። መልሲ ዚህቡኻ ብቛንቋታት ሽወደንን እንግሊዝኛን እዮም።

ንህይወት አስጋኢ ኣብ ዝዀነሉ ጊዜ ናብ 112 ደውል። ንሓፈሻዊ ዝዀኑ ሕቶታት ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ኮሮና-ቪሩስ፥ በቲ ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ መስመር፥ ብቑጽሪ ስልኪ 113 13 ኪርከብ ይክኣል’ዩ።
ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት Krisinformation.se ውን ብኻልእ ቋንቋታት ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ኮሮና-ቪሩስ ሐበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

2020-05-29 N24

መንግስቲ: ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዳግማይ ክኽፈታ ይኽእላ እየን

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝርከቡ ተምሃሮ፡ ኣብ ግዜ ሓጋይን ቀውዕን ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ለውጢ እዚ ካብ ዕለት 15 ሰነ ጀሚሩ ይትግበር።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ነቲ ዝጸንሐ ለበዋ፡ ኣፍኲሱን ነቲ ትምህርቲ ብርሕቀት ክኸውን ቀያዲ ኰይኑ ዝጸንሐ ለበዋ ድማ ኣልይዎ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ እቲ ስሩዕ ንጥፈት ካብ ዕለት 15 ሰነ ኣትሒዙ ክቕጽል ይኽእል’ዩ። እዚ ውሳነ እዚ ገደብ ግዜ የብሉን።
እቶም ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሓጋይ፡ ክምሃሩ ዘድልዮም ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብቲ እዋን ዕረፍቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኰይኖም ክምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ትምህርቲ ንዓበይቲ ከም ኮምቩክስ፡ ቤት ትምህርቲ ሞያ ከምኡ’ውን ዩኒቨርስትን ኣብያተ ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃን፡ ዝርጋሐ ለበዳ ንምንካይ ንጥፈታቶም ብኸፊል ብርሕቀት ክምህሩ ከድልዮም እዩ።
– በዚ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ተምሃሮ ኣብይተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዕለት 15 ሰነ ኣትሒዞም ኣብ ኣብያተ ትምህርቶም ተመሊሶም ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብያተ ትምህርቲ ዕማመን ንምዝዛም ዝሕግዘን ንእዋን ዕረፍቲ ሓጋይን ንቐውዕን ዝኸውን ውጥን ክዳለዋ ተኽእሎ ንህብ ኣለና ማለት’ዩ፡ ትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም (S)።

ዝርጋሐ ለበዳ ኣብ ሕብረተሰብ ዳግማይ እንተወሲኹ፡ መንግስቲ ስጉምትታት ክወስድን እቲ ትምህርቲ ድማ ተመሊሱ ብርሕቀት ክውሃብ ንምግባርን ድሉው እዩ።

እቲ ንዛዘምቲ ተምሃሮ ዝግበር ጽምብል፡ ማለት እቲ ኣብ መጠነ ንኡስ ጽምብል ዘድህብ ውሳነ፡ ንምንካይ እቲ ለበዳ ተባሃሉ ኣይተቐየረን። ተማሃሮ ብዓበይቲ መካይን ኣብ ከተማታት ዝገብርዎ ጽምብል፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ Transportstyrelsen ብዝወሰኖ መሰረት፡ ንሕና’ውን ኣቐዲምና ሓቢርና ከም ዝነበርና ኩልኩል እዩ።  

2020-05-29 N22

ንሓጋይ ናይ ስፖርት ንጥፈታት ይከፈት ተባሂሉ

ናይ ስፖርት ንጥፈታት፡ ከም ብሓድሽ ካብ ዕለት 14 ሰነ (juni) ንንዮ ኪኽፈት ኪጅምር’ዩ። ግንከ፡ ጥራይ ኣብ ደገን - ብዘይ ተመልካቶን ምስ ዚግበር’ዩ። 

መንግስቲ ሽወደንን ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢን” ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናይቲ ውሳኔ መግለጺ ሂቦም ኣሎዉ። እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ንዅሉ ዓይነት ስፖርትታትን ምውሳዋስ ኣካላትን - ንዅሉ ጽፍሕቲታት ናይ ሰብኡትን ኣንስትን ስፖርትታት ዚምልከት’ዩ። እዚ ኪግበር ዚክኣል ግን፡ እቲ ኣተገባብርኡ ኣብ ደገን ከምኡ ውን ነቲ ተወሲኑ ዘሎ ህዝባዊ-መምርሒታትን እገዳታትን ዚስዕብ ምስ ዚኸውን እዩ።
እቲ 50 ሰብ ዚብል ናይ ብዝሒ-ሰብ መደረቲ ማሕበራዊ-ኣኼባታትን ፌስታትን፥ ከም ቀደሙ ጸኒዑ ኪቕጽል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ናይ ስፖርት ውድድራት ግጥሚያታትን፡ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተመልካቶ ኪግበር ምዃኑ’ዩ።

– ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ዓቢይ ትርጉም’ዩ ዘሎዎ፥ እዚ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ሽግርን ኣብ ግዜ ዓበይቲ ናይ ምልውዋጣት እዋንን፡ ከምኡ’ዩ ዚኸውን። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ናይ ስፖርት ምኒስተር ”ኣማንዳ ሊንድ” (MP) ዝገለጸቶ፥ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ነቲ ዘሎ ለበዳዊ ህልዊ ኩነታት ገምጊሙ፥ ነዚ ውሳኔ’ዚ ክወስድ ምኽኣሉ ኣወንታዊ እዩ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣተገባብርኡ፡ ብምኽንያት’ቲ ህልዊ ኩነታት፡ በቲ ልሙድ ኣገባብ ንኽይትግበር ዘገድድ እንተ ዀነ እዩ።

2020-05-28 N23

እቲ ናይ ዕድመ-ደረት ናይ ሓደጋ-ጕጅለታት ኣይተቐየረን

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten) ጌሩዎ ብዘሎ ገምጋም፥ ከም ናይ ሓደጋ-ጕጅለታት ኰይኑ ተጸብጺቡ ዘሎ ናይ ዕድመ-ደረት፥ ከም ቀደሙ 70 ዓመት ኰይኑ ኪቕጽል’ዩ። ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃቡ ድማ፥ እታ ምኒስተር ማሕበራዊ-ጉዳያት ዝዀነት ”ሌና ሃለንግሬን” ከምኡ ውን እቲ ”ዮሃን ካርልሶን” ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፥ ኣብቲ ኣብ ዕለት 26 ጉንበት ዝገበርዎ ናይ ጋዜጠኛታት ዋዕላ እዩ።

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡ ነቶም ልዕሊ 70 ዓመትን - ካልኦት ናይ ሓደጋ-ጕጅለ ዝዀኑ ሰባትን፥ ዝተዳለወ ፍሉይ መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ድማ፡ እዞም ናይ ሓደጋ-ጕጅለ እዚኦም፥ ብዝተኻእለ መጠን ንቐጻሊ ጊዜ ውን፡ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዚገብርዎ ናይ ቀረባ ኣካላዊ ምርኻብ ክንክይዎ፥ ኣዝዩ-ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ምስኡ ግን፡ ”ዮሃን ካርልሶን” - እቲ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ከም ዘስመረሉ፥ ናይቶም ዓበይቲ ሰባት ጽምዋን - ምብልሻው ጣዕሚ-ህይወትን ንምንካይ፥ እቲ ማሕበራዊ ዝምድናታት ኪሕሎ ከም ዘሎዎ እዩ።

ነቲ ማሕበራዊ ርክባት ከም ዚሕሎ እናገበርካ፥ እቲ ርክባት ተረሓሒቕ ኣብ ደገ ንኺግበርን ድማ ምኽሩ ይህብ። ከምኡ ብምግባርና ድማ፡ ነቲ ናይ ምልባዕ ሓደጋ ኣዝዩ ከም ዚጐድል ክንገብሮ ስለ ንኽእል’ዩ። እቲ ናይ ተላጋቢ-ሕማም ነጠብጣብ፥ ኣብቲ ናይ ውሽጢ-ገዛ ዚግበር ናይ ቀረባ ምትንኻፍ’ዩ ብዝቕለለ ኪመሓላለፍ ዚኽእል። እቲ ናብ እንዳ ኣረጋውያን ንምብጻሕ ወጺኡ ዘሎ እገዳ፥ ክሳብ ሕጂ ውን የገልግል’ዩ ዘሎ።

ብዚያዳ ነቲ ”ምኽሪ ንልዕሊ 70 ዓመት ዝዀኑ ሰባት” ዚብል ምኽሪ ኣንብቦ።

2020-05-18 N21

ናይ ሓጋይ “ኮሎ” (kollo) ይፍቐድ ተባሂሉ


ቆልዑ ብዝተኻእለ መጠን፡ እቲ ልሙድ ዝዀነ ንጥፈታቶም ኪቕጽልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ነቲ ”ኮሎ” ዝበሃል ናይ ቆልዑ ናይ ሓጋይ መዓስከር-ንጥፈታት፥ ኣብቲ ዚነብሩሉ ከባቢ፡ ብውሕድ ዝበለ ናይ ጕጅለታት ቑጽሪ፥ ንዚመጽእ ሓጋይ ውን ንኺትግበር ኣፍቂዱ’ሎ።
እቲ ናይቲ ንጥፈት ሓላፍነት ዚወስድ ትካል ድማ፥ ንናይ ሕማም ኮሮና ”ኮቪድ-19” ምልባዕ ሓደጋ ዚገትእ ስጕምቲ ኪወስድ ይግባእ። እዚ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ’ዚ”፡ እንታይ ዓይነት ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲታት ኪውሰድ ከም ዘድሊ ንምልላይ ይሕግዝ’ዩ ዝበሎ፥ ሓደ ናይ ”መገምገሚ-ሓደጋ መሳርሒ” ኣዳልዩ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ኣካላትን ካልኦት ንጥፈታትን ንኣብነት፥ ኣብ ደገ ንኺትግበሩ ከም ዚግባእ’ዩ። እቲ ካልእ ጽቡቕ ዝበሎ ነገር ድማ፥ ኣብቲ ናይ መደቀሲ ቦታትትን፥ ኣብቲ መግቢ ዚብልዓሉ ቦታታትን፥ ኣብ መንጉኡ እቲ ምርሕሓቑ ዝሓለወ ንኪኸውን’ዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ነገር ግን፥ ቆልዑ ሓሚሞም ምስ ዚህልዉ፥ ዋላ’ኳ እቲ ምልክት ሕማሞም ቀሊል እንተዀነ፥ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ይግባእ። ገለ ኣብ ሞንጉኦም ዝሓምም ሰብ እንተ ተረኽበ ድማ፥ ናብ ገዝኡ ኪምለሰሉ ዚኽእል ምድላው ንኺህሉ እዩ።

2020-05-14 N20

መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ መገሻዊ ክልከላ ናብ ሽወደን ኣናዊሕዎ ኣሎ


ዝርገሐ ለብዒ ቫይረስ ኮረና ንምህዳእ መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ መገሻዊ ክልከላ ናብ ሽወደን ክሳብ ዕለት 15 ሰነ ኣናዊሕዎ  ኣሎ።ከም ዝፍለጥ ክልከላ መገሻ ናብ ሽወደን ብዕለት 19 መጋቢት ዝተጀመረ ኾይኑ፡ሓደ ግዜ ተናዊሑ ነይሩ’ዩ። ዝሓለፈ ሓሙስ መንግስቲ ነዚ ክልከላ መገሻ ናብ ሽወደን ክሳብ ሰኑይ ዕለት 15 ዳግማይ ኣናዊሕዎ ከም ዘሎ ቀዳማይ ሚንስተር ስቴፋን ለፍቬን ሓቢሩ። እዚ ውሳነ ዝተወሰነ ኣብ ለበዋ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምምርኳስ’ዩ።
ዕላማ ናይ’ዚ መገሻዊ ክልከላ ናብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቲ ምልባዕ ቫይረስ ኮረና ንምህዳእን ሕማም ኮቪድ-19 ንምቕናስን’ዩ።
እዚ ክልከላ ልክዕ ከም ቕድሚ ሕጂ፡ ንዂሎም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ኖርወይ፡ ኢስላንድን ስዊዘርላን ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም ወጻእተኛታት ይምልከት። እዚ ናብ ሽወደን ናይ ምጋሽ ክልከላ፡ ንሽወደናዊ ዜጋታት ኣይምልከቶምን’ዩ።

2020-05-14 N19

ምምሕዳር መጓዓዓዝያ: ኣብ በጣሕ መካይን ኮይንካ ምብዓል ኣይፍቀድን


ካብ ዕለት 15 ጉንበት ኣትሒዙ፡ ኣብ በጣሓት መኪና ኮይንካ ምጒዓዝ ክልኩል’ዩ።እዚ ክልከላ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ዘቕረቦ ጠለብ ኮይኑ፡ምምሕዳር መጓዓዓዝያ ድማ ኣጽዲቕዎ።

ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ መዕጸዊ በዐል፡ ጒዕዞ ካርኒቫል ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜታት፡ ኣብ ልዕሊ በጣሕ መኪና ወይ ተሳሓቢት ናይ ጽዕነት መኪና፡ ትራክተር ወይ ሞተራዊ ተሽከርካሪ ኮይንካ ምጒዓዝ ብመሰረት ደንብታት ምምሕዳር መጓዓዓዝያ ክልኩል እዩ።
እዚ ክልከላ ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2020 ጸኒዑ ክጸንሕ’ዩ።

2020-05-14 N18

ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ሽወደን፥ ነቲ ካብ መገሻ ንምቝጣብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ የናውሖ

እቲ ንወጻኢ ሃገራት ዚግበር መገሻታት ንመጻኢ ጊዜ ይጸበ። ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ ሽወደን (Utrikesdepartementet)፥ ነቲ ካብ መገሻ ንምቝጣብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ንሓደ ወርሒ የናውሖ።  

እዚ ሓድሽ ተኸሲቱ ዘሎ ምልባዕ ኮሮና-ቪሩስ፥ ነቲ ብዓለም-ለኸ ዚግበር መገሻታት፥ ከምዘየተኣማምን ጌሩዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር፡ ምኒስትሪ ጉዳያት-ወጻኢ (UD) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ-ዋዕላ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ዓለም ዚግበር ዘይኣድላዪ መገሻታት ንዅንቁጠብ ኣውጺእዎ ዝጸንሐ መምርሒ፥ ሕጂ ከም ዘናውሖ ኣዊጁ ኣሎ። እዚ መምርሒ’ዚ ክሳብ 15 ሓምለ 2020 ዘገልግል ኪኸውን’ዩ።

እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ካብቲ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ዕለት 14 መጋቢት 2020 ዝተኣወጀሉ ጊዜ፥ ኣቐዲሙ ውን ንሓደ ጊዜ ተናዊሑ ኔሩ’ዩ።

2020-05-12 N17

ሲፎ-ምልካዕ፤ ዝወሓዱ ሰባት ጠባይ ከም ዝቐየሩ ይገልጹ

ዝወሓዱ ሰባት ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ሕጂ ማሕበራዊ ንጥፈታት ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከም ዘወግዱ ዘለዉ ይገልጹ። እቲ ካንታር ሲፎ ካብ ብዓል መዚ ምክልኻል ሕብረተ ሰብን ምድላውን MSB (Myndigheten för samhällsskydd och beredskap, MSB) ብዝተዋህቦ ዕማም መሰረት ዝገበሮ ቅያሰ ነዚ የርኢ።


ኣብዚ ቅያሰ ካብ 5 000 ሰባት ንላዕሊ፡ እዚ ናይ ኮሮና ቅልውላው ካብ ዝጅምር ንድሓር ብዛዕባ ብኸመይ ጠባዮም ከም ዝቐየሩ ንዝተሓተትዎ ሕቶታት መልሲ ክህብሉ ክኢሎም ኔይሮም። ክሳብ እዛ ዝሓለፈት ሰሙን ድልዱል ወሰኽ ናይ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ጠባዮም ከም ዝቐየሩ ዝጠቕሱ መለስቲ ክርኣ ይክኣል ኔይሩ። ኣብዛ ዝሓለፈት ምልካዕ ግን ሓደ ምቕያር ናይ ሓፈሻዊ ኣንፈት የርኢ። ንኣብነት እቶም ብህዝባዊ መጓዓዝያ ምጕዓዝ ዘወገዱን ካብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝተቘጠቡን ክፋል ነክዩ።

ገለ ኣብነታት፤

  • “ካብ ገዛ ወጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ብዝወሓደ ዝርግሓ ተሳቲፈ” ካብ 74 ናብ 66 ሚእታዊት ነኪዩ።
  • “ብዙሓት ሰባት ዝርከብዎ ህዝባዊ ቦታታት ኣወጊደ” ካብ 72 ናብ 65 ሚእታዊት ነኪዩ።
  • “ኣብ መዓልቲ ስራሕ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝወሓደ ይጕዓዝ” ካብ 50 ናብ 42 ሚእታዊት ነኪዩ።

ብምልኡ እቲ ቅያሰ ኣብ msb.se ኣንብቦ።

2020-04-29 N16

ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ነፍሰ-ጾራት ጥንቃቐ ክወስዳ ይመክር

ነፍሰ-ጾራት ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንስን ኣብ እዋን ሕርስን ኮቪድ-19 ከይልከፋ ክጥንቀቓ ኣለወን። ጠንቂ ስግኣት ጥዕና ዝኾኑ ከም ህዝርጥና፡ሽኮርያ ወይ ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለወን ነፍሰ- ጾራት፡ ጥንቃቐአን ዝያዳ ከሐይለዮ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ይጽውዕ።


ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ፍልጠት ከም ዘመልከቶ፡ነፍሰ-ጾራት ብከቢድ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ሰበን ንላዕሊ ክጥቀዓ ስግኣት የብለንን።ይኹን ደኣ’ምበር ንነፍሰ-ጾራት ድዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድለየሉ ኲነታት ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ’ዩ።


– ብዙሓት ነፈሰ-ጾራት ከቢድ ሕማም ከይወርደን ወይ ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ደረጃ ከይበጽሓ ምክልኻላት ክንገብር እዩ ድሌትና ይብል ኣንደርስ ቴግነር - ኣብ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ቀንዲ ሓላፊ ስነ-ለበዳ።


ብመሰረት ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና፡ ነፈሰ-ጾራት ብፍላይ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንስን ኣብ እዋን ሕርስን ጥንቃቐአን ዝያዳ ከሐይለኦ ይግበአን።ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ እዋን ጥንሲ ኣብ ስርዓት ምስትንፋስ ዘጋጥም ረኽሲ ኣብ ሕይወት ነፍሰጾር ስግኣት ክፈጥር ይኽእል’ዩ።
ጠንቂ ስግኣት ጥዕና ዝኾኑ ከም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ህዝርጥና ወይ ሽኮርያ ዘለወን ነፍሰ-ጾራት ምስ ኣዋላዲት ወይ ሓኪም ክማኸራን ካብ ስድራቤተን ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ዘለወን ርክባት ክድርተኦን ይግበአን።

2020-04-28 N15

ናይ’ዚ ዓመት ደረጃ ተሳትፎ ጽምብል ተምሃሮ ዝተሓተ’ዩ


ናይ’ዚ ዓመት ጽምብል ተምሃሮ ብሰፊሕ ኣይክበዓልን’ዩ -  ዓብይ ምስትእንጋድ ተምሃሮ ፡ ኣብ በጣሓት መካይን ምጒራት ተምሃሮን ዓበይቲ በዓላትን ኣይክህሉውን እዮም። ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ነዚ ኣነጺርዎ ኣሎ።


ዓበይቲ ጽምብላት፡ምትእኽኻባት ወይ ንዂሉ ቤት ትምህርቲ ዘጠቓል ሰልፍታት ክካየዱ የብሎምን። ደቂ ክላስ ኣብ ልዕሊ በጣሓት መኻይን ክኾኑ የብሎምን።ብዘይካ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተመሃሮ እንተዘይኮኖም፡ ካልኦት ተምሃሮ ናይ መዕጸዊ ትምህርቲ ከብዕሉ የብሎምን።

ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝውድኡ ተመሃሮ ዝምልከቱ ስነ ስርዓት ምዕዳል ባጀላን ካልኦት ንኣሽቱ ጽብላትን፡ ክሳብ ንሓደጋታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝድርት መንገዲ ዝተዳለዉ፡ ፍቚዳት እዮም።
ኣብ’ዚ ዓመት ናይ ዝውድኡ ተምሃሮ ምስትእንጋድ፡ ክሳብ በቢክፍሊ(በቢክላስ) ወይ በቢ ንኣሽቱ ጕጅለታት ዝተዳለው፡ክካየድ ይከኣል’ዩ።ምስ ዝካየድ ድማ ኣብ ንሓድሕድካ ምፍንታት ዘለዎ ግዳም ይዳለዉ። ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጒጅለታትን ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባትን ክሳተፉ የብሎምን።

ግለሰባት ዘዳልውዎም ዕብይ ዝበሉ ግብጃታትን’ውን እንተኾነ፡ ወላ ኣብ ውሽጢ ገዛን ግዳምን ይዳለዉ ኣየምሕሩን’ዮም(ምሹኣት ኣኮኑን) ኢሉ ቤ/ጽ ሕዝባዊ ጥዕና ኣብ ጽሕፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

2020-04-27 N14

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን: ዝወሃብ ሕክምናዊ ክንክን ዕድመ ኣይውስኖን


ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኣብ’ዚ ቕንያት ንሽማግለታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ኣይወሃቦምን’ዩ ተብሂሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ከምኡ ከም ዘይኮነ ከነጽሮ ይደሊ። ኣብ’ቶም ሃገራውያን መምርሕታት ንቀደምትነት ምሃብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ተመልኪቱ ከም ዘሎ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ዕድመ ብዘይገድስ፡ ብማዕረ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝወሃቦ ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣብ ሕጊ ተደንጊጉ ኣሎ።
እቶም ቦታታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዘይኣኽሉ፡ መን’ዩ ንኽድሕን ዝዓበየ ዕድል ዘለዎ ዝብል ቀደምትነት ምኽታል ግድን ይኸውን። ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዝንፈግ’ውን እንተኾነ ካልእ ሕክምናዊ ክንክን ይወሃብ’ዩ። ቀረብ ሕክምናዊ ክንክን ንኮቪድ-19 ዝሓመሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንካልእ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት’ውን ይወሃቦም’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ገሊኦም ዓይነት ሕክምናዊ ክንክናት ንመጻኢ ክመሓላለፉ ይኽእሉ’ዮም።

2020-04-23 N13

ሃገራዊ

ቤት ጽሕፈት ጥዕና: ፍሉይ በዓል ቫልቦሪ ኣብ’ዚ ዓመት

ብሰንኪ ዝርገሐ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ’ዚ ዓመት ጽንብል በዓል ቫልቦሪ ፍሉይ ክኸውን’ዩ ይብል ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና። ካብ ጽንብላት ክንቊጠብን ምትእኽኻብ ሰባት ከይፍጠሩ ከነስተውዕል ይግበኣና። ኣብ ደገ’ውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍንታት ክህሉ ከምዘለዎ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ።

እቶም ሒደት’ውን እንተኾነ ጉንፋዕ ሓሚሞ ኮይኑ ዝተሰመዖም ሰባት፡ ካብ ካልኦት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክፍንተቱ ወይ ክእለዩ ይግበኦም። ካልእ ነገር ድማ፡ ዕድሜኦም 70 ዝኾኑ ሽማግለታት፡ ወላ ኣብ ድሮ በዓል ቫልቦሪ’ውን እንተኾነ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ርክባት ክድርትዎ ይግባእ። ኣብ ጉንበት ሓደ’ውን እንተኾነ ክእከቡ ናይ ዝኽእሉ ሰባት ብዝሒ ሓደ’ዩ  – ንልዕሊ 50 ሰባት ዝሓቊፍ ተቓውሞ ፍቓድ ኣይወሃቦን’ዩ። ኣብ እዋን ጽድያ ዘለዉ በዓላት ከም ሮመዳንን ዒድ ኣልፉጡርን እውን እንተኾነ፡ እቲ መምርሕታት ሓደ ዓይነት እዩ። ብምኽንያት ምክልኻል ለበዳ፡ መሳጊድ ዕጹዋት እዮም።.

2020-04-22 N12

በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ሰባት ካብ ባዕላዊ መርመራ ኮቪድ-19 ክቚጠቡ ይመክር

ሰባት ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎምን ዘይብሎምን ንኽፈልጡ፡ ካብ’ቲ ባዕሎም ኣብ ገዝኦም ዝገብርዎ መርመራ እንተ ተቚጠቡ ይሓይሽ ይብል በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ መርመራታት ኣብ ኢንተርነት ዝሽየጡ ይሃልዉ ደኣ’ምበር፡ ዘተኣማምኑ ስለ ዘይኮኑ፡ ካብ ጥቕሞም ጒድኣቶም ይዓቢ፡ ይብል እቲ በዓል መዚ።

ንኣህለኽቲ ውልቀሰባት ዝቐንዐ መሳርሒ መርመራ ውሕስነት ዘለዎም ንምጥቃሙ ድማ ቀሊል ዝኾነ ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕዳጋ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መሳርሒ የለን፡ ይብል በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን።

- ወላ እቶም ንሕክምና ዝቐንዑ መሳርሒ መርመራ ኣህለኽቲ ውልቀሰባት ምስ ዝጥቀምሎም፡ እቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት መርመራ ወይ ግጉይ ወይ ከም ጉጉይ ክትርጐም ተኽእሎታት ኣለዎ። ሓደ ግጉይ ውጽኢት፡ መልከፍቲ በቶም ሰባት ንኽላበድ ዕድል ይኸፍት እዩ ትብል ኣብ በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ሓላፊ ኣሃዱ ክፍሊ ሕክምናዊ ቴክኖሎጂ ኤቫ-ሌና ሃርትማን።

በዓል መዚ መድሃኒትን ሕክምናዊ ፍርያትን ነቶም ክፍሊ ሕክምና ዘቕርቦም መሳርሒ መርመራ ወይ ፈተናታት ምጥቃም ኣይቃወሞምን’ዩ።

2020-04-22 N11

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን: ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ንኮቪድ-19 ግዳያት ዝኾኑ ጉጅለታት

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ገለ ሰባት ኮቪድ-19 ምስ ዝሓሙ፡ ፉሉይ ጽንኩር ምዕባለ ሕማም ዘለዎ ዓቢ ስግኣት ዘስዕበሎም ጒጅለታት ኣለሊዎም ኣሎ።

በረኣእያ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ጒጅለታት እቶም፡

  • ልዑል ዕድመ ዘለዎም፡ 70ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም
  • ህዝርጥና ብመለክዒ ሚዛን ሰብነት(BMI) ልዕሊ 40 ዝኾኑ
  • ሕማም መንሽሮ ዘለዎም ወይ እቲ ሕማም መንሽሮ ኣብ ምሕካም ዝርከቡ እንተኾይኑ ወይ እቲ ምሕካም ኣብ ቀረባ እዋን ዘብቀዐ እንተኾይኑ
  • መትነ ጭዋዳዊ ሕማም ከም ፓርኪንሶን፡ ኤም.ኤስን( MS) ዕዮ ጭዋዳ ዘማስን ኣ.ል.ስ( ALS) ዘለዎም
  • ዕውቀታዊ ስንክልናን(ዝሕታለ ኣእምሮ) ናይ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት መኽሳእቲ ወይ ጸገማት ዘለዎም
  • ብውሑዱ እዘን ክልተ ሕማማት ዘለዎም፡ ሕማም ልብን ሰራውር-ልብን(መጥቃዕቲ ኣብ አፍ-ልቢ፡ ድኻም ልቢ፡ ወቕዒ ሓንጐል)፡ ልዑል ጸቕጢ ልቢ፡ ሕልኽላኻት ወይ ጸገም ዘለዎ ሽኾርያ፡ ሓዳሪ ሕማም ኲሊትን ድኻም ኲሊትን፡ ሓዳሪ ሕማም ሳንቡእ(ኣዝማ ዘይኮነ) ወይ ሓዳሪ ሕማም ጸላም ከብዲ
  • ካልኦት ከበድቲ ሕማማት ከም ድኹም ካብ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ፡ ሕማም ወይ ድሕሪ ሕማም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ገሊአን ኣካላት ከቢድ ጽልዋ ዝገድፉ፡ ቀጻሊ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ዘድልዮ ማህሰይቲ ኣንጒዕ ዓንዲ-ሕቘ፡ ካብ ረኽሲ ቫይረሳት ንምክልኻል ዓቕሚ ተጻዋርነት ኣካል ዘዳኽሙ ፍወሳታት

 እቶም ጠንቅታት ምስ ዝደማመሩ ድማ እቲ ሓደጋ ዝዓበየ ይኸውን።

ኣብ’ቲ ሎሚ መዓልቲ ብሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ንመንግስቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቶም ምስ ሓደ ኣብ ልዑል ስግኣት ዘሎ ሰብ ዝነብሩ፡ ካብ ገዛ ወጻኢ ዝሰርሕዎ ስራሕ ነቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጥዕና መልከፍቲ ንኸይላባዕ ዝህቦ ምኽሪ ዘየማልእ እንተኾይኑ፡ ንግዚኡ ካብ ከም ኣቶም ዝኣመሰሉ ስራሕ ክቚጠቡ፡ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝርዝር፡ ካብ ጥሪ ቫይረስ ኮረና ክላባዕ ዝጀመረሉ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘሎ እዋን ዝተረኽበ ፍልጠት ዝተመርኰሰ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ጠንቅታት ሓደጋ ዘሎ ኣፍልጦ ሒደት ስለ’ዝኾኑ፡ ምስ ግዜ ዳግማይ ግምትን ምምሕያሽን ከድልዮም’ዩ ይብል እቲ በዓል መዚ።

2020-04-17 N10

እዚ ዓመት’ዚ ናይ ጽድያ በዓላት ኣበዓዕላና ፍልይ ኪብል’ዩ

2020-04-03  N9

መድሃኒት ካብ ፋርማቻ ምውጻእ ገደብ ተገይሩሉ

ካብ ሎሚ መዐልቲ ጀሚሩ፡ መድሃኒት እንተ በዝሐ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ጥራሕ ኢኻ ካብ ፋርማቻ ከተውጽእ  ዝፍቀደልካ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ዚ ቕንያት ካብ መጠን ንላእሊ ዝተራእየ ጠለባት መድሃኒ፡ መንግስቲ ነዚ ክውስን ክኢሉ ኣሎ። እቲ መድሃኒት ኣብ ውሕስነት ልዑል­ዋጋ እቱው ይኹን ኣይኹን፡ እቲ ሕሙም ካብ ጅብኡ ይኽፈሎ ኣይኽፈሎ  ብዘይገድስእቲ፡ እዚ ገደብ ንዂሎም ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ይምልከቶም። ኣዝዮም ፍሉያት ምኽንያታት ምስ  ዝህልዉ ጥራሕ’ዩ ሕድገት ክግበር ዝከኣል።

ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ከም ዝብሎ፡ ክልተ ስልሲት መድሃኒት ክሃልኽ ኣለዎ ቅድሚ ሓድሽ መድሃኒት እቲ ፋርማቻ ምሃቡ። እቲ ዕላማ ብሰንኪ ምውህላል(ምእካብ) ዝፍጠር ስእነት መድሃኒት ንምግታእ’ዩ።

– ኣብ ከም’ዚ ዘለናዮ እዋን ቅልውላው፡ ቀረብ መድሃኒት ምዕሩይ ክኸውን ኣገዳሲ’ዩ። ሰባት መድሃኒ ከዋህልሉ ምስ ዝጅምሩ  ገለ መድሃኒታት ንዂሉ ከይኣኽሎ ሓደጋታት ኣሎ። ስለ’ዚ ኢና ነኢዝ ውሳነ ወሲድናዮ ዘለና፡ ትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ  ጉዳያት ሌና ሃለንግሬን። 

እዚ ተገይሩ ዘሎ ገደብ ንሰብን ንእንስሳታትን ዝኸውን መድሃኒ ይምልከት። 

N8 2020-04-01

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡- ምኽሪ፡ ዝርግሐ ለበዳ ንምንካይ

ብመሰረት እቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ እቲ ንህዝቢ ተዋሂቡ ዘሎ ሓድሽ ምኽሪ፥ ብዙሕ ህዝቢ ዝርከብዎ ምትእኽኻባት ክውገድ ከም ዘሎዎን፥ ብፍላይ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ድማ ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘሎዎም እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ምኽሪታት’ዚ ድማ፥ ነቲ ዝርግሐ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ዝሓለነ ኰይኑ፤ ብቐንዱ ግን፡ ነቶም ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝያዳ ተነቀፍቲ ዝዀኑ ሰባት - ናይ ሓደጋ-ጉጅለን ንኣረጋውያንን ምክልኻል ንኽረኽቡ’ዩ።
እቲ ነዚ ንምልባዕ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ዝጥለቡ ነገራት፤ እንተ ድኣ ምልክት ሕማም ርኢኻ፡ ኣብ ገዛኻ ክትጸንሕን ጽሬት-ኢድካ ብጥንቃቐ ክትሕሉን፥ ካብ ነንሕድሕድካ ድማ ክትፈናተትን እዩ። ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሰባትን፡ እቶም ካልኦት ኣብቶም ናይ ሓደጋ-ጉጅለታት እቱዋት ዝዀኑ ሰባትን፥ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዚገብርዎ ኣካላዊ ምቅርራብ ከጽብብዎ ይግብኦም። ካብ ሓባራዊ-መጐዓዓዝያ ውን ፍጹም ክኽልከሉ ይግባእ። ናብ ድኳናት ከይዶም ምሽማት ከቛርጽዎ፥ ንኣብነት ፋርማቻ፡ ቤት መሸጣ-መግቢ ወይ ውን ናብ ህዝቢ ዚእከበሉ ቦታታት ካብ ምኻድ ምቝጣብ’ዩ።
ብመሰረት እቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡ እቶም ቀንዲ ናይ ሓደጋጉጅለ፡ እቶም ዕድመ ዝደፍኡን፡ ሕዱር ሕማማት ዘሎዎምን ሰባት’ዮም። ንኣብነት ጸቕጢ-ደም፡ ሕማም-ልቢን መትነታት ደምን፡ ሕማም-ሳንቡእ ወይ ውን ሕማም ሽኰሪያ ዘሎዎም ሰባት’ዮም። እቶም ዚያዳ ብኸቢድ ዚጥቅዑ ሰባት፥ እቶም ተደራራቢ ሕዱር-ሕማማት ዘሎዉዎም ሰባት’ዮም።
ኵላትና ኣብ ሽወደን እንነብርን ኣብ ንጥፈታት ንሳተፍን ሰባት፥ ነዚ ዝርግሐ ናይዚ ሕማም’ዚ ንምዕጋት ሓላፍነት ኣሎና’ዩ፡-
ማሕበራት-ስፖርት፡ ብዝተኻእለ መጠን ልምምዳትን ኣብ ደገ ዚግበር ስፖርታዊ ንጥፈታትን ደው ከብሉ፥ ናይ ልምምድ-ግጥማት፡ ግጥማትን ናይ ዋንጫታት ውድድራትን፥ እቲ ዕለታቱ ንቕድሚት ከሰጋግርዎ፡ ከምኡ ውን ቁጽሪ ናይቶም ተዓዘብቲ ሰባት ከውሕዱን እዩ።
ህዛባዊ-ማሕበራት፡ እንተ ደኣ ተኻፈልቲ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ቦታ ብኣካል ንኺርከቡ ዚጠልብ ኰይኑ፥ ዓመታዊ ጉባኤታቶምን ካልእ ኣኼባታቶምን ንመጻኢ ዕለታት ንቕድሚት ከሰጋግሩ ይግባእ።
ኣብ ሓባራዊ-መጐዓዓዚያን ትራንስፖርትን ቁጽሪ ገያሾ ምንካይን፥ ሰባት መታን ከይጸቓቘጡ ድማ ብዝሒ ዝመላለሳ መጐዓዝያታት ምስቲ ህልዊ ኩነታት ከም ዚዛመድ ምግባር’ዩ።
ወሃብቲ-ስራሕ (ትካላት)፡ ሰራሕተኛታቶምን በጻሕቲን ከም ዝፈናተቱ ምግባርን፥ ሰራሕተኛታቶም ውን ካብ ዘየድሊ መገሻታት ተቖጢቦም፥ ኣብ ገዝኦም ኰይኖም ከም ዚሰርሑ ምግባር’ዩ።
ድኳናትን ማእከላት-ዕዳጋን ከምኡ ውን ”ጋለርያታትን”፥ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ ኣብቲ ውሽጢ’ቲ ድኳን ኪህልዉ ዚኽእሉ ዓመውል ከም ዚንክዩ ምግባር’ዩ። ነቲ ኣብ መኽፈሊ-ካሳ ዚግበር መስርዕ ውን፡ ካልእ ኣማራጺ ፍታሓት ከም ዚህሉ ምግባር። ወይ ውን ሰባት ካብ ሕድሕዶም ተፈናቲቶም ደው ንኺብሉ ዚገብር መምርሒ ምድላው እዩ።
እዞም ወጺኦም ዘሎዉ ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ሕጊታትን ህዝባዊ-ለበዋታትን፥ ክሳብ 31 ታሕሳስ (december) 2020 ዘገልግሉ ኰይኖም፥ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግን፡ እቲ ጊዜ ኪሓጽርን ወይ ውን ኪናዋሕን ይኽእል እዩ።

N7 2020-04-01

ቁጽሪ ምርማራታት ናይ ”ኮቪድ-19” ክብ ምባል

”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ብኸመይ ጌርካ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ናይ ”ኮቪድ-19” ምርመራ ኪግበረሉ ከም ዚኽእል ሓደ ”እማመ” ሒዙ ንኺቕርብ፥ ካብ መንግስቲ ሽወደን መዝነት ተዋሂቡዎ ኣሎ።
”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡ ነቲ ብኸመይ ጌርካ ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ምርመራ ኪግበረሎም ከም ዚኽእል ዚወጽእ ናይ ስራሕ ስትራተጂ ኪመርሖ እዩ። እዚ ቤትስልጣን’ዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ምርመራታት’ዚ ጽባቐ ዓይነቱ-ተሓልዩ ብዝዓበየ ደረጃ ተፈጻሚ ንምግባር፥ ነቲ ኣብ ዞባዊ-ምምሕዳራትን፡ ኮሙናትን ካልኦትን ኪግበር ዚድለ ናይ ስርሓት ተበግሶ ከወሃህድ እዩ። እቲ ጽሑፍ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ከም ዝገልጾ፥ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ እቶም ሕሙማንን እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማምን፥ ብቐጻሊ ውን ነቲ ምርመራ ናይ ምግባር ውሕስነቶም ርጉጽ ከም ዚኸውን ንምግባር እዩ።
- እቶም ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ዘሎ ጉጅለታት፥ ንመጻኢ ውን እንተዀነ ውሕስነት ናይ ምምርማር ኪረኽቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ልዑል ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘሎዎ፥ እቲ ነጸረ-ሕማም ቅድሚኡ ወይ ምስቲ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስካ ተተሓሒዙ ንኺግበር’ዩ። እዚ ምግባር ዘድሊ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ለበዳ ንኸየጋጥም፥ ከምኡ ውን ንኣብነት ኣብ መንጎ እቶም ተነቀፍቲ ሰባትን ኣረጋውያንን ዚርከብዎ ናይ ሓልዮትን መንበሪ-ቦታታትን ንኸይላበድ’ዩ፤ ክትብል ሓለቓ ክፍሊ ምምሕዳር “ቤትስልጣን-ጥዕና-ህዝቢ”፡ ላዕለወይቲ ዶር ካሪን ቴግማርክ ዊሴል ገሊጻ ኣላ።

2020-03-31N6

ብሃገር ደረጃ ናብ እንዳ-ኣረጋውያን ናይ ምብጻሕ ክልከላ

መንግስቲ ሽወደን፡ መታን ነቲ ለበዳ ሕማም ”ኮቪድ-19” ንምዕጋት ኪብል፥ ኣብ ምሉእ ሃገር ዚርከብ ኣረጋውያን ዝነብሩሉ ኵሉ ትካላት፥ ናይ ምብጻሕ ክልከላ (እገዳ) ውሳኔ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ካብ 1 ሚያዝያ ኣብ ግብሪ ኪውዕል’ዩ።

- እቶም ብዝተፈልየ-ጥንቃቐ ካብዚ ”ቫይረስ’ዚ” ክንከላኸለሎም ዘድልየና ሰባት፥ እቶም ኣብ ገጠራዊ ትካላት እንዳ-ኣረጋውያን ዚነብሩ ሰባት’ዮም። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምኒስተር ማሕበራዊ-ጉዳያት፡ ሌና ሃለንግሬን ዝበለቶ፡ ኣብ ከምዚ ቦታታት’ዚ ለበዳ ንኸየጋጥም ርጉጽነት ክነውሕስ ይግብኣና እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ እንዳ-ኣረጋውያን ዚግበር ምብጻሕ ኣመልኪቱ፥ ኣቐዲሙ ውን ተሪር መጠንቀቕታ ሂቡሉ ኔሩ’ዩ። ብዙሓት ኮሙናት ውን፡ ነዚ መጠንቀቕታ’ዚ ብምስዓብ፡ ነንበይኖም ናይ ክልከላ ስጕምቲታት ወሲዶም ኣሎዉ’ዮም። ሕጂ ግን መንግስቲ፡ ንምሉእ ሃገር ዚኸውን፡ ሓደ ዝዓይነቱን ንጹርን ዝዀነ መርሓ-ግብሪ ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ሓፈሻዊ መምርሒ’ዩ። እታ ሓላፊት-ምምሕዳር ናይ ሓደ መንበሪ-ቤት ግን፥ ንነፍሲ-ወከፍ ምብጻሕ ብዚምልከት፥ ካብዚ ክልከላ’ዚ ዝተፈለየ ፍቓድ ክትህብ ትክእል’ያ። እዚ ግን፡ እንተ ደኣ ነቲ ፍሉይ ፍቓድ’ቲ ንምሃብ ዝደፋፍእ ፍሉይ ኵነታት ተፈጢሩን፤ ንምልባዕ ”ኮሮና-ቫይረስ” ውን ሓደግኡ ውሱን እንተ ዀይኑን ጥራይ’ዩ።

2020-03-27 N5

ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ብሓንሳብ ኮይንካ ምእካብ ኣይፍቀድን(እጉድ እዩ)

ካብ ሰንበት ዕለት 29 መጋቢት ጀሚሩ ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ይኹኑ ሕዝባዊ ምርኢታት እንተ በዝሐ 50 ተሳተፍቲ ሰባት  ጥራሕ ይፍቀድ። እዚ ዓርቢ(27 መጋቢት) ብመንግስቲ ተወሲኑ።  ብዝሒ ተሳተፍቲ ካብ 50 ሰባት ንላዕሊ ምስ ዝኸውን፡ ፖሊስ ነቶም ምትእኽኻባት ይኹን ምርኢታት ክስርዝዎም ወይ ደው  ከብልዎም ይኽእሉ እዮም። እቶም ምርኢት ወይ ኣኼባ ዘዳልዉ ነዚ እገዳ ምስ ዝጥሕሱ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ወይ እንተ በዝሐ  ን6 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክብየነሎም ይኽእል’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደረት ብዝሒ ተሳተፍቲ ናይ’ቶም ሕዝባውያን ምትእኽኻባት 500 ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ፡ ሕጂ ግን  ብጠለብ ቤት ጽሕፈት ሕዝባዊ ጥዕና ተቐይሩ ኣሎ። ምኽንያት መቐየሪኡ ድማ ዝርገሐ ተላባዒ ሕማም ቫይረስ ኮሮና  ንምድራቱ’ዩ። ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት ክበሃል ከሎ:

  • ንሰላማዊ ሰልፊ፡ ንዘተ፡ ርእይቶኻ ንምግላጽ ወይ ሓበሬታ ንህዝቢ ወይ ንውልቀ­ሰባት ንምሃብ ተባሂሎም ዝግበሩ  ሓፈሻዊ ምትእኽኻባት 
  • ንምምሃር፡ ህዝቢ ንምሕባር ወይ ዜጋታት ንምንቃሕ ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት ወይ ኣቕርቦታት
  • ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰሩ ምትእኽኻባት
  • ኣብ ትያትራዊ ምርኢት፡ ሲነማታት፡ ምርኢት ሙዚቃን ካልኦት ስነ ጥበባዊ ፍርያት ንምርኣይ ዝግበር ምትእኽኻብ 
  • ቅዋም ዝፈቕዶም ነጻ ኾይንካ ኣኼባ ንምክያድ ዝግበሩ ካልኦት ምትእኽኻባት


ሕዝባዊ ምርኢት

  ሕዝባዊ ምርኢት ክበሃል ከሎ:

  • ውድድራት፡ ምርኢታት ናይ ስፖርትን ግጥማትትን ስነ­በረራን
  • ምርኢታት ሳዕስዒት
  • መዘናግዒ ቲቮሊን ሰልፍታት በዓላትን
  • ዕዳጋታትን ዓውደ­ምርኢትን(ኤግዚቢሽን)
  • ከም ህዝባዊ ምትእኽኻብ ወይ ምርኢት ሰርከስ ዘይውሰዱ(ዘይሕሰቡ) ካልኦት ምርኢታት

ኣብያተ ትምርህቲ፡ ሕዝባዊ መጓዓዓዝያ፡ ውልቃውያን ዉራያትን ንናብ ንግዲ­ቤት(እንዳ ዱካን) ምኻድ ግን እቲ እገዳ  ኣይምልከቶምን እዩ።

2020-03-24 N4

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፡- ምልምማድ ምውሳስ-ኣካላት ግበር - ግን ብጥንቃቐ ድማ ግበሮ

ስፖርትን ናይ ምልምማድ ምውስዋስ-ኣካላት ንጥፈታት፥ ኪቕጽሉ ይኽእሉ’ዮም። እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት መምርሒ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”፥ ናይ ምልባዕ ሕማም ንምክልኻል ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲ ምውሳድ ከድሊ’ዩ።

ከም ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ኣረኣእያ፥ ኣካልዊ-ምንቅስቓስ ንጥዕናና ጽቡቕ’ዩ፥ ስለዚ ስፖርትን ልምምድ ምውሳዋስ-ኣካላትን ኪቕጽል ኣሎዎ። ልምምዳትን፡ ግጥማትን፡ ናይ ከባቢ ውድድር-ጸወታ ጋንታታትን፡ ብምኽንያት’ዚ ለበዳ ከቛርጽ ኣየድልን’ዩ። ቤት ልምምድ ምውሳዋስ-ኣካላት፡ እንዳሓምባሳይ፡ ኣዳራሻት ምውሳዋስ-ኣካላት ውን ኪኽፈቱ ይኽእሉ’ዮም።

እንተዀነ ግን፡ እቲ ዚግበር ንጥፈታት ምስቲ ህልዊ ናይ ለበዳ ሓደጋታትን ንዕኡ ምግታእን ክነዛምዶን የድሊ’ዩ። ንኣብነት እቲ ልምምድ ካብ ውሽጢ ገዛ ወጻኢ ኪግበር ይኽእል’ዩ። ”ቤትስልጣን ጥዕናህዝቢ”፡ ምስቲ ”ሃገራዊ ውድብ ምውሳዋስ-ኣካላትን” ካልኦትን ለዘባ ብድሕሪ ምግባሩ፥ ነዚ ሓለፍቲ ስፖርትን ትካላት ልምምድ ምውስዋስ ኣካላት ንጥፈታትን ኪስዕብዎ ዘሎዎም መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ።

• ዝሓመመ ሰብ፡ ዋላኳ ምልክታት’ቲ ሕማም ቀሊል ይምሰል፥ ክሳብ’ቲ ካብ ሕማሙ ዝሓዊን፡ ብድሕሪ ምሕዋዩ ውን ክልተ መዓልትን፥ ኣብ ገዝኡ ኪጸንሕ ደኣ እምበር፡ ፍጹም ኣብቲ ንጥፈታት ክሳተፍ ኣይግባእን። ሓደ ሰብ ኣብ ልምምድ ከሎ ምስ ዚጽልኦ፥ ብቐጥታ ናብ ገዝኡ ኪኸይድ ይግባእ።
• ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፥ ኣብ ውሽጢ ገዛ ጕጅላዊ-ንጥፈታት ኪሳተፉ ኣይግባእን። ንጥዕንኦም ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣካላዊ-ምንቅስቓስ ኪገብሩን፥ ኣብ ደገ ወጺኦም ውን ብእግሮም ምኻድ ኪቕጽሉ ንመክር።
• ተጸጋጊዕካ ካብ ዚግበር ነገራት ኪቝጠቡ፥ ኣብ ክንድኡ ካልእ ዓይነት ልምምድ ይግበሩ።
• መስተዪ-ማይ፡ መሸፈን-ኣፍ ወይ ከምኡ ዓይነት፥ ናይ ምራቕ ነገር ከተሓላልፍ ስለ ዚኽእል ዘይምልቕቓሕ።
• ንኢድካ ማይ-መሕጸቢ ወይ ንኢድ ዚኸውን ኣልኮል ከም ትረክብ ግበር። ጽቡቕ ናይ ኢድ ጽሬት ንኺህልወካ ተደፋፋእ።
• ጽቕጥቕት ካብ ዝፍጠረሉ ቦታታት ተቖጠብ፥ ንኣብነት ኣብ ኣፍ-ደገ ኣብያተ-ንግዲ ወይ ኣብያተስፖርት

2020-03-24 N3

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡- ኣብ ኣብያተ-መግቢ፡ ካፌቴሪያን፡ ባራትን ምጽቕቓጥ ኣየፍቅድን’ዩ

ብመሰረት’ቲ ካብ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ዝወጸ መምርሒ፥ ኣብ ናይ ምጽባይ መስርዕ፡ ኣብ ”ቡፌመግቢ”፡ ኣብ ጣዋሉ ባራትን እንዳሻሂታትን፥ ምጽቕቓጥ ናይ ሰባት ከጋጥም ኣይግባእን።

እዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ ናይ ”ቤትስልጣን ጥዕና-ሕዝቢ”፥ ካብ 25 መጋቢት (mars) ጀሚሩ ኣብ ተግባር ውዒሉ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ”ኣብያተ-መግቢ”፡ ባራት፡ ካፌቴሪያታት፡ ንምልባዕ ”ኮቪድ-19” ንምግታእ፥ ፍሉይ ዝዀነ ስጉምቲታት ክወስዱ የድልዮም’ዩ ማለት’ዩ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ’ዚ፡ ብመሰረት’ቲ ብቤትስልጣን ምቁጽጻር-መግቢ ዝወጸ ሕጊ (Livsmedelsverkets föreskrifter (LIVSFS 2005:20) 11 §፥ ኣብቶም ነዚ ሕጊ’ዚ ዚምልከቶም መዳያት፥ ንኣብነት ”ኣብያተ-መግቢ”፡ ናይ ኣብያተስራሕ ኣብያተ-መግቢ”፡ ባራት፡ ካፌቲሪያታት፡ ናይ ኣብየተ-ትምህርቲ ኣብያተ-መግቢን፡ ”ዘርጋሕቲ ስሩሕ-መግቢን” ንኺጸንዕ እዩ።

ነፍሲ-ወከፍ ኣብያተስራሕ፡ እቶም በጻሕቲ ኣብ መንጎኦም ተፈናቲቶም ከም ዝቖሙ ምግባሩ ከረጋግጽ ይግባእ። እቶም በጻሕቲ ”ኣብያተ-መግቢ” ኣብ ሓንቲ ጣውላ ጥራይ ተቐሚጦም ኪብልዑን ኪሰትዩን ወይ ድማ መጺኦም መግቦም ሒዞም ኪኸዱን እዩ። ኣብ ባራት ጠጠው ንዝበሉ ዚግበር ኣገልግሎት ኣይፍቀድን’ዩ። መጺእካ ዚውሰድ መግቢታት፥ ኣብ ምንጎ ሰባት ጽቕጥቅጥ ክሳብ ዘይፈጠረ፥ ከም ቀደሙ ኪቕጽል ይኽእል’ዩ።

እቲ ናይቲ ትካል (ቤት-ንጥፈት) ሓላፊ፡ ብመሰረት እቲ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” ዘውጽኦ ጽሑፍ፥ ነቲ ናይ ሕማም ምልባዕ ሓደጋ ብዝተኻእለ መጠን ንምክልኻሉ ኪክኣል፥ ናይ ትግባረ-መምርሒ መደብ ክህልዎ ይግባእ።

”ሓኪም-ምክልኻል-ተላጋቢ-ሕማም” (Smittskyddsläkaren)፥ ምስቲ ኮሙን ብምምኻር፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ሕጊ ዘይስዕቡ ”ኣብያተ-ዕዮ”፥ ናይ እገዳ ውሳኔ ከሕልፍ ይኽእል’ዩ።

2020-03-19 N2

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፡- እዚ መገሻ’ዚ ብሓቂ ኣድላዪ’ድዩ ኢልካ ኣስተንትን።

ብምኽንያት ናይ ”ኮሮና ቫይረስ” ለበዳ፥ “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ ኵሉ ሰብ ነቲ መዲብዎ ዝጸንሐ ናይ ብዓላት-መገሻ ወይ ኣብ ሽወደን ዝተሓስበ ካልእ መገሻታትን፥ ብሓቂ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ብሓድሽ ንኽሓስቡሉ ይመክር። ዝሓመም ሰብ ብፍጹም ክገይሽ ኣይግብኦን’ዩ።

ሕማም ”ኮቪድ-19” ኣብ ሕብረተ-ሰብና ይላባዕ ከም ዘሎ ንጹር ምልክታት ተራእዮም ኣሎዉ፤ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ እተን ዓበይቲ ከተማታት’ዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዕረፍቲን በዓል-ፋስጋን፥ ብዛዕባ መገሻታትካ ክትሓስበሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

– ዓበይቲ-በዓላት - ዓበይቲ ናይ መገሻ መደባት ዘበጋግስ’ዩ። ካብ ተመኩሮታትና ከም ተዓዘብናዮ፥ ናብ ዓዲ-ጥልያንን ናብ ኣውስትሪያን ዝተገብረ ናይ ዕረፍቲ መገሻታት፥ ኣብ ሓንቲ ሃገር እንታይ ናይ ጂኦግራፍያዊ ለበዳ ሳዕቤን ከኢህልዎ ከም ዚኽእል ርኢና ኣሎና። ኪብል መንግስታዊ ክኢላ ”ስነ-ሕማም ለበዳ”፡ Anders Tegnell ገሊጹ ኣሎ።

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten) ዚህቦ ምኽሪ ምበኣር፥ ነቲ መዲብናዮ ዘሎና መገሻ፡ ብፍላይ ንኣብነት ናብ ሓደ ዓቢይ ከተማ፥ ናብ ትካላት-ጎቦታት ወይ ውን ብዙሕ ሰብ ናብ ዚእከበሉ ስሓቢ ናይ ዕረፍቲ-ቦታታት እንተ ዀይኑ፥ ብሓቂ እቲ መገሻ’ቲ ክገብሮ የድሊዶ ኢልካ ክትሓስበሉ ይግባእ።

2020-03-17 N1

ንዅሎም ናይ ”ጂምናስዩም”፡ ናይ ሞያዊ-ኮለጃትን ዩኒቨርሲቲን ተመሃሮ፥ ትምህርቶም ብርሑቕ ንኽከታተሉ’ዩ ዚምከር።

“ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” (Folkhälsomyndigheten)፥ ናይ ሽወደን ናይ ”ጂምናስዩም ኣብያተትትምህርቲ”፥ ”ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ-በጽሒታት” (kommunala vuxenutbildningar)፥ ”ሞያዊ-ኮለጃትን” ”ዩኒቨርሲታትን”፥ ብምኽንያት ናይዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ፥ ”ብርሑቕ-ኣገባብ” ትምህርቲ ንኺወሃብ መምርሒ ሂቡ’ዩ።

ዕላማ ናይቲ መምርሒ ድማ፡ ነቲ ምልባዕ ናይ ”ኮቪድ-19” ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ንምግትኡ እዩ።

– ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሃለዋት፡ ናይ ”ጂምናስዩም ኣብያተ-ትምህርቲ”፡ ”ሞያዊ-ኮለጃትን” ”ዩኒቨርሲቲን” ብርሑቕ ትምህርቶም ንምክትታል ኣገባባቶም ንኽቕዩሩ መምርሒ ምውጻእ ርትዓዊ’ዩ። ሽዑ ድማ እቲ ትምህርቲ፥ ተምሃሮ ኣብ ክፍሊን ኣብ ኣደራሻትን ዘይእከቡሉ ኩነታት፥ ኪወሃብ ይኽእል እዩ። ይብል Johan Carlson ጀነራል ዳይረክተር “ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ”።

መባእታዊ ቤትትምህርቲን ”ቅድመ-ትምህርቲ-ክፍሊን” በዚ መምርሕ’ዚ ኣይጽሎዉን’ዮም። መባእታዊ ቤትትምህርቲን ”ቅድመ-ትምህርቲ-ክፍሊን” ዚዕጸወሉ ኣገዳዲ ኩነታት እንተ ተፈጢሩ ግን፥ መንግስቲ ሽወደን ምስቶም ኣብ ”ጨንፈር-ትምህርቲ” ዘሎዉ ወከልቲ ሰልፊታት ብምዃን፥ ነቶም ቆልዑ ናይቶም ኣብ ኣገዳሲ ማሕበረ-ሰብኣዊ ስራሕ ተጸሚዶም ዘሎዉ ወለዲ፥ ብመንግስቲ ውሕስነት ”ሓልዮትሕጻናት” ንኺረኽቡ ንምርግጋጽ ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ ንምርቃቕ፥ ኣብ መጽናዕቲ ይርከብ ኣሎ።

ቤትስልጣን ትራንስፖርት፡-ዘገድደካ ነገር ምስ ዚርከብ ጥራይ መገሻ ፈጽም - ኣብ ናይ ጽቕጥቕጥሰዓታት ካብ ምጋሽ ተቖጠብ።

ናይ ዕረፍቲ እዋናትን ናይ ሓጋይ ዕረፍቲን ብድሕሪ ምውድኡ፥ ናይ ህዝባዊ-መጐዓዝያን ናይ ማኪናታት ጽቕጥቅጥን ኩነታት ጸገማት ዝፈጥር’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ኣብቲ ናይ ዕለተ-ሓሙስ ዝተገብረ ናይ ኣብያተስልጣን ጋዜጣዊ-ዋዕላ፥ ቤትስልጣን ትራንስፖርት፡ ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ናይ ቀውዒ-ጊዜ፡ ሰባት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ጊዜ ጥራይ መገሻ ንኽፍጽሙ ሓላፍነቶም ንኺስከሙ፥ ናብ ህዝቢ ዘቕንዐ መዘኻኸሪ ኣቕሪቦም እዮም።

እቲ ኣገባብ ብጽቡቕ’ዩ ዚሰርሕ ዘሎ፡ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ብድሕሪ ናይ ዕረፍቲ-እዋናት ዘሎ ጊዜ፥ ሕብረተሰብ ከም ብሓድሽ ብዕቱብ ምንቅስቓስ ኣብ ዚገብረሉ ጊዜ፥ ንውሑስ ዝዀነ ናይ ትራንስፖርት ምጕዕዓዛት፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነታዊ ምትሕግጋዝ ዘድልዮ እዩ። ኵሉ ሰብ ማኪና ሒዙ ንኽወጽእ ውን ፍታሕ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ከምቲ ”Roberto Maiorana” ሓለቓ ምምሕዳር-ትራንስፖርት ዝገለጾ፥ ኣብቲ ጽርግያታት ውን ናይ ማኪናታት ጽቕጥቅጥ ፈጢሩ፥ ኣገደስቲ ናይ ትራንስፖርትን ናይ ተጐዓዝቲን ምትሕልላፍ ከተዓናቕፍ ስለ ዚኽእል’ዩ።

ብዛዕባ ናይ ውሽጢ-ሃገር መገሻታትብዝበልጸ ኣብዚ ኣንብብ

Uppdaterades